bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 7
1 Chronicles 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ይሳኮር ኣርባዕተ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ቶላ፥ ፉዋ፥ ያሱብ፥ ሺምሮን እዮም።
2
ደቂ ቶላ ኸዓ፥ ኦዚ፥ ረፋያ፥ ይሪኤል፥ የሕማይ፥ ይብሳም፥ ሰላምኤል ነበሩ። እዚኣቶም ናይ ዓሌት ቶላ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ብዘመን ዳዊት ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓያላት ተዋጋእቲ ነበርዎም።
3
ዑዚ ንይዝራሕያ ወለደ፤ ይዝራሕያ ድማ ንሚካኤል፥ ንኣብድዩ፥ ንኢዩኤል፥ ንይሺያ ወለደ፤ ሓሙሽቲኦም ከዓ ኣሕሉቕ ነበሩ።
4
ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበርዎም። ስለዙይ በብትውልዶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ንውግእ ዝተዳለዉ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ሰባት ነበሩ።
5
ኣብ ኵሎም ዓሌታት ይሳኮር፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ፥ ሰማንያን ሸውዓተን ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።
6
ደቂ ብንያም፦ ቤላ፥ ቤኬር፥ ይዲኤል ሰለስተ እዮም።
7
ደቂ ቤላ፦ ኤሴቦን፥ ኦዚ፥ ዑዝኤል፥ ኢያሪሙት፥ ዒሪ፤ ሓሙሽቲኦም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተቘፀሩ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።
8
ደቂ ቤኬር፦ ዝሚራ፥ ኢዮዓስ፥ ኣልዓዛር፥ ኤልዮዔናይ፥ ዖምሪ፥ ኢያሪሙት፥ ኣቢያ፥ ዓናቶት፥ ዓሌሜት፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቤኬር እዮም።
9
ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኮይኖም በብትውልዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ተቘፀሩ። ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓያላት ጀጋኑ ድማ ነበርዎም።
10
ይዲኤል ንቢልሃ ወለደ፤ ቢልሃ ድማ ንየዑስን ንብንያምን ንናዖድን ንክንዓናን ንዜታንን ንተርሴስን ንኣኪሳኣርን ወለደ።
11
እዚኣቶም ደቂ ይድኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ንውግእ ዝተዳለዉ ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም።
12
ዒር ንሳፊንን ንሑፊምን ወለደ፤ ኣሔር ከዓ ንሑሺም ወለደ፤
13
ንፍታሌም ካብ ቢልሃ ዝወለዶም፦ ያሕፂኤል፥ ጉኒ፥ ዮድር፥ ሺሌም እዮም።
14
ምናሴ፥ ካብታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንእስርኤልን ንማኪርን ወለደ፤ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ።
15
ማኪር ከዓ ንሑፊምን ንሳፊምን ኣንስቲ ኣምፅአሎም። ሓፍቱ ማዓካ ትብሃል ነበረት። ካልኣይ ወዲ ማኪር ሰለጰኣድ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣጓላት ጥራሕ ወለደ።
16
ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፤ ፋሬስ ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። ንሓዉ ድማ ሱሮስ ኣውፅአትሉ። ደቂ ፋሬስ ከዓ ዑላምን ራቄምን ይበሃሉ ነበሩ።
17
ዑላም ድማ ንባዳን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ እዮም።
18
ሓፍቱ መለኬት ከዓ ንኢሱዲን ንኣቢዔዝርን ንመሕላን ወለደት።
19
ደቂ ሸሚዳም ድማ ኣሒያንን ሴኬምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም።
20
ደቂ ኤፍሬም ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ኤፍሬም ንሹቱላ ወለደ፤ ሹቱላ ንባሬድ ወለደ፤ ባሬድ ንታሓት ወለደ፤ ታሓት ንኤልዓዳ ወለደ፤ ኤልዓዳ ንታሓት ወለደ።
21
ታሓት ንዛባድ ወለደ፤ ዛባድ ንሹቱላ ወለደ፤ ሹቱላ ንኤድርን ንኤልዓድን ወለደ፤ ኤድርን ኤልዓድን ከፍቲ ኽዘምቱ ንጋት ወሪዶም ነበሩ እሞ፥ በቶም ኣብታ ሃገር ዝተወለዱ ሰብ ጌት ተቐተሉ።
22
ኣቦኣቶም ኤፍሬም ከዓ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ፤ ኣሕዋቱ ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ።
23
ናብ ሰበይቱውን ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። ኣብ ቤተሰቡ መከራ ስለ ዝመፆ ኸዓ በሪዓ ኢሉ ሰመዮ።
24
ኤፍሬም፥ ሲኦራ እትበሃል ጓል ነበረቶ። ንሳ ንታሕተዋይን ላዕለዋይን ቤትሖሮንን፥ ንኡዜንሼራን ዝበሃላ ኸተማታት መስረተት።
25
ኤፍሬም ንፋፌ ወለደ፤ ፋፌ ንሬሴፍ ወለደ፤ ሬሴፍ ንቴላ ወለደ፤ ቴላ ንታሓን ወለደ፤
26
ታሓን ንለኣዳን ወለደ፤ ለኣዳን ንዓሚሁድ ወለደ፤ ዓሚሁድ ንኤሊሳማ ወለደ፤
27
ኤሊሳማ ንነዌ ወለደ፤ ነዌ ንኢያሱ ወለደ፤
28
እቲ ዝሓዝዎን ዝተቐመጥዎን ምድሪ እዙይ እዩ፦ ቤትኤልን ከተማታታን፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዘር ምስ ከተማታታ፥ ሴኬምን ከተማታታን ድማ ኽሳዕ ጋዛን ከተማታታን፥
29
ብወሰን ደቂ ምናሴ ኸዓ፥ ቤትሳንን ከተማታታን፥ ታዕናክን ከተማታታን፥ መጊዶን ከተማታታን፥ ዶርን ከተማታታን። ደቂ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣብዚኣተን ይቕመጡ ነበሩ።
30
ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ የሱዋ፥ የሱዊ፥ በሪዓ፥ ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶም።
31
ደቂ በሪዓ ሔቤርን ኣቦ ቢርዛዊት ዝነበረ መልኪኤልን ነበሩ። መልኪኤል ንኸተማ ቢርዛዊት ዝመስረተ እዩ።
32
ሔቤር ድማ ንያፍሌጥን ንሳሜርን ንኮታምን ንሓፍቶም ሶላን ወለደ፤
33
ያፍሌጥ ድማ ንፋሴክን ቢምሃልን ዓሲትን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ ነበሩ።
34
ደቂ ሳሜር፦ ኣኪ፥ ሮኣጋ፥ ይሑባ፥ ኣራም ነበሩ።
35
ደቂ ኤላም ሓዉ፦ ፆፋ፥ ይምና፥ ሰሌስ፥ ዓማል ነበሩ።
36
ደቂ ፆፋ፥ ሱዋ፥ ሓርኔፍር፥ ሶጋል፥ ቤሪ፥ ይምራ፥
37
ቤፄር፥ ሆድ፥ ሳማ፥ ሰሊሳ፥ ይትራን፥ ብኤራ ነበሩ።
38
ደቂ ዮቴር፦ ዮሮኒ፥ ፊስጳ፥ ኣራ ነበሩ።
39
ደቂ ዑላ፦ ኤራ፥ ሓኒኤል፥ ሪፅያ ነበሩ።
40
እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኣሴር፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ሕሩያት፥ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣሕሉቕ መኳንንቲ ነበሩ። እቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ተዋጋእቲ፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ነበሩ።
← Chapter 6
Chapter 8 →