bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 6
1 Chronicles 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀኣት፥ ሜራሪ እዮም።
2
ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።
3
ደቂ እንበረም፦ ኣሮን፥ ሙሴ፥ ማርያም እዮም። ደቂ ኣሮን፦ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛር፥ ኢታምር እዮም።
4
ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤
5
ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንዖዚ ወለደ፤
6
ዖዚ ንዘራእያ ወለደ፤ ዘራእያ ንመራዮት ወለደ፤
7
መራዮት ንኣማርያም ወለደ፤ ኣማርያም፥ ንኣኪጦብ ወለደ፤
8
ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንኣሚካኣስ ወለደ፤
9
ኣሚካኣስ ንኣዛርያስ ወለደ፤ ኣዛርያስ ንዮሓናን ወለደ፤
10
ዮሓናን ንኣዛርያስ ወለደ። (ኣዛርያስ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ፥ ብኽህነት ዘገልግል ዝነበረ እዩ።)
11
ኣዛርያስ ንኣማርያም ወለደ፤ ኣማርያም ንኣኪጦብ ወለደ፤
12
ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንሰሎም ወለደ፤
13
ሰሎም ንኬልቅያስ ወለደ፤ ኬልቅያስ ንኣዛርያስ ወለደ፤
14
ኣዛርያስ ንሰራያ ወለደ፤ ሰራያ ንኢዮሴዴቅ ወለደ።
15
ኢዮሴዴቅ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ብናቡከደነፆር ተማሪኾም ከም ዝኸዱ ምስ ገበሮም፥ ምስኣቶም ተማሪኹ ኸደ።
16
ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም።
17
ስም ደቂ ጌድሶን ድማ እዙይ እዩ፦ ሊብኒ፥ ሰሜኢ እዮም።
18
ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዙኤል እዮም።
19
ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊ፥ ሙሲ እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦
20
ጌድሶን ንሎቤኒ ወለደ፤ ሎቤኒ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ንዛማት ወለደ፤
21
ዛማት ንዮኣክ ወለደ፤ ዮኣክ ንኣዶ ወለደ፤ ኣዶ ንዛራ ወለደ፤ ዛራ ንያትራይ ወለደ።
22
ቀኣት ከዓ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ንቆሬ ወለደ፤ ቆሬ ንኣሴር ወለደ፤
23
ኣሴር ንሕልቃና ወለደ፤ ሕልቃና ንኣቢሳፍ ወለደ፤ ኣቢሳፍ ንኣሴር ወለደ፤
24
ኣሴር ንኢኢት ወለደ፤ ኢኢት ንኡርኤል ወለደ፤ ኡርኤል ንዖዝያ ወለደ፤ ዖዝያ ንሳውል ወለደ፤
25
ሕልቃና ንዓማሲን ንኣኪሞትን ወለደ፤
26
ኣኪሞት ንሕልቃናን፥ ንሱፊን ወለደ፤ ሱፊ ንናሓት ወለደ፤
27
ናሓት ንኤልያብ ወለደ፤ ኤልያብ ንሮሓም ወለደ፤ ሮሓም ንሕልቃና ወለደ።
28
ሳሙኤል ንኢዮኤል በዅሪ ወዱን ንኣብያን ወለደ።
29
ሜራሪ ኸዓ ንሞሖሊ ወለደ፤ ሞሖሊ ንሎቤኒ ወለደ፤ ሎቤኒ ንሰሚዒ ወለደ፤ ሰሚዒ ንዖዛ ወለደ፤
30
ዖዛ ንሳምዓ ወለደ፤ ሳምዓ ንሓግያ ወለደ፤ ሓግያ ንዓሳያ ወለደ።
31
እቲ ታቦት ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፥ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ክኾኑ ዘቖሞም እዚኣቶም እዮም።
32
ንሳቶም፥ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰርሕ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን መዝሙር እናዘመሩ የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዝተሰርዐሎም ድማ በብተራ የገልግሉ ነበሩ።
33
እቶም ምስ ደቆም ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ቀኣት፦ እቲ መራሒ መዘምራን ዝነበረ ኤማን ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ሳሙኤል፥
34
ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ኤሊኤል፥ ወዲ ቶዋ፥
35
ወዲ ሱፍ፥ ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ መሓት፥ ወዲ ኣማሲ፥
36
ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ሶፎንያስ፥
37
ወዲ ታሓት፥ ወዲ ኣሴር፥ ወዲ ኤብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥
38
ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቀኣት፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ያእቆብ እዮም።
39
ብወገን የማን ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኸዓ ሓዉ ኣሳፍ ነበረ። ንሱ ወዲ በረክያ፥ ወዲ ሺምዓ፥
40
ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ ባዓሴያ፥ ወዲ ማልክያ፥
41
ወዲ ኤትኒ፥ ወዲ ዛራ፥ ወዲ ዓዳያ፥
42
ወዲ ኤታን፥ ወዲ ዚማ፥ ወዲ ሰሜዒ፥
43
ወዲ ያሓት፥ ወዲ ጌድሶን፥ ወዲ ሌዊ እዩ።
44
ብወገን ፀጋም ኮይኖም ዝመርሑ ዝነበሩ ኸዓ ደቂ ሜራሪ ነበሩ። ንኤታን ወዲ ቂሳ፥ ወዲ ዓብዲ፥ ወዲ ማሎክ፥
45
ወዲ ሓሸብያ፥ ወዲ ኣሜስያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥
46
ወዲ ኣማሲ፥ ወዲ ባኒ፥ ወዲ ሴሜር፥
47
ወዲ ሞሖሊ፥ ወዲ ሙሲ፥ ወዲ ሜራሪ፥ ወዲ ሌዊ እዮም።
48
እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ሌዋውያን፥ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ኻልእ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ተሰሪዖም ነበሩ።
49
ኣሮንን ደቁን ግና ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዅሉ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ዕጣንን የቕርቡ ነበሩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረኽቡ ይገብሩ ነበሩ።
50
ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦ ኣሮን ንኣልኣዛር ወለደ፤ ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤
51
ኣቢሱ ንቡቂ ወለደ፤ ቡቂ ንኦዚ ወለደ፤ ኦዚ ንዘራእያ ወለደ።
52
ዘራእያ ንመራዮት ወለደ፤ መራዮት ንኣማርያ ወለደ፤ ኣማርያ ንኣኪጦብ ወለደ፤
53
ኣኪጦብ ንሳዶቅ ወለደ፤ ሳዶቅ ንኣኪመኣስ ወለደ፤
54
እቲ ዝሰፈርዎ ዓድታት በብወሰኖም እዙይ እዩ፦ ነቶም ካብ ዓሌት ቀኣት ዝኾኑ ደቂ ኣሮን ቀዳማይ ዕፃ በፅሖም።
55
ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ንትርከብ ኬብሮንን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ መዋፈሪታትን ሃብዎም።
56
ግና ናይታ ኸተማ ገራሁን ዓድታትን ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ሃብዎ።
57
ንደቂ ኣሮን ድማ ነታ መዕቘቢ ዝኾነት ከተማ ኬብሮንን ልብናን ምስ መዋፈሪኣተን፥ የቲርን ኤሽትሞዓን ምስ መዋፈሪኣተን፥
58
ሖሎንን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ዳቤርን ምስ መዋፈሪኣታን፥
59
ዓሳን ምስ መዋፈሪኣታን፥ ቤትሳሚስን ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም።
60
ካብ ነገድ ብንያምውን ንጌባን ምስ መዋፈሪኣታን ንጋሌማትን ምስ መዋፈሪኣታን ንዓናቶት ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም። ኵለን ከተማታቶም ከዓ ኸም ዓሌታቶም ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።
61
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀኣት ድማ ኻብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማ ሃብዎም።
62
ንደቂ ጌድሶን ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብታ ኣብ ባሳን ዘላ ነገድ ምናሴን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማ ሃብዎም።
63
ንደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕፃ ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት ሃብዎም።
64
ከምዙይ ገይሮም ደቂ እስራኤል እተን ከተማታት ምስ መዋፈሪኣተን ንሌዋውያን ሃብዎም።
65
ስለዙይ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ኣብ ላዕሊ ተሰምየን ዘለዋ ኸተማታት ብዕፃ ሃብዎም።
66
ንገሊኣቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀኣት ከዓ ኻብ ምድሪ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ብፅሒት ነበሮም።
67
ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥ እታ ኸተማ ዑቕባ ዝኾነት ሰኬም፥ ጌዝር፥
68
ዮቅመዓም፥ ቤትሖሮን፥
69
ኤሎንን፥ ጋትሪሞንን፥ መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም።
70
ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀኣት፥ ዓኔርን ቢልዓምን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም።
71
ደቂ ጌድሶን እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፥ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላንን ኣስታሮትን መምስ መዋፈሪኣተን።
72
ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ቃዴስን ዳብራትን፥
73
ሬሞትን ዓኔምን መምስ መዋፈሪኣተን።
74
ካብ ነገድ ኣሴር፥ ማሻልን ዓብዶንን፥
75
ሑቆቅን ረኣብን መምስ መዋፈሪኣተን።
76
ካብ ነገድ ንፍታሌም፥ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስን ሓሞንን ቂርያታይምን መምስ መዋፈሪኣተን።
77
ካብቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ሬሞንን ታቦርን መምስ መዋፈሪኣተን፤
78
ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከዓ፥ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ ቦሶርን ያሳን፥
79
ቅዴሞትን ሜፍዓትን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን፤
80
ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራማትን ገለዓድን መሓናይምን፥
81
ሓሴቦንን ኢያዜርን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ።
← Chapter 5
Chapter 7 →