bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 5
1 Chronicles 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንእስራኤል እዚኣቶም እዮም። ሮቤል በዅሪ ወዱ ነበረ፤ ግና ደፊሩ ዓራት ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ፥ መሰል ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተውሃበ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ግና፥ ከም በዅሪ ኣይተፅሓፈን።
2
ይሁዳ ድማ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ በርትዐ፤ ገዛኢውን ካብኡ ወፀ፥ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ እዩ ዝነበረ።
3
ደቂ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ፦ ሄኖሕ፥ ፈሊሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ ነበሩ።
4
ኢዮኤል ንሸማያ፥ ሸማያ ንጎግ፥ ጎግ ንሰሜዒ ወለደ፤
5
ሰሜዒ ንሚካ፥ ሚካ ንረኣያ፥ ረኣያ ንቢዔል ወለደ፤
6
ቢዔል ንብኤራ ወለደ፤ ብኤራ እቲ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።
7
ኣሕዋቱ በብማይ ቤቶም መዝገብ ትውልዶም ምስተቘፀረ ቀዳማይ፦ ኢዮኤል፥ ዘካርያስ፥
8
ባላቅ ወዲ ዓዛዝ፥ ወዲ ሸማዕ፥ ካብ ማይ ቤት ኢዮኤል። ነገድ ሮቤል ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ናባን በዓል ሜዎን ተቐመጡ።
9
መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ።
10
ብዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ኣጋራውያን ተዋግኡ እሞ ሰዓርዎም፤ ኣብ ኵሉ ምብራቕ ገለዓድ ከዓ ኣብቲ ዝሰዓርዎ ዓድታት ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ።
11
ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንፅር ነገድ ሮቤል ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልካ ተቐመጡ፤
12
ቀዳማይ ኢዮኤል ሓለቓ፥ ሳፋም ከዓ ኻልኣይ፥ ያናይን ሳፋጥን ድማ ኣብ ባሳን ተቐመጡ።
13
በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ፥ ሚካኤል፥ ሜሱላም፥ ሳባ፥ ዮራይ፥ ያካን፥ ዙኤ፥ ኦቤድ ዝበሃሉ ሸውዓተ ኣሕዋት ነበርዎም።
14
እዚኣቶም ካብ ኣቢካኢል ወዲ ዑሪ፥ ወዲ ያሮዓሕ፥ ወዲ ገለዓድ፥ ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ የሺሻይ፥ ወዲ ዮዳይ፥ ወዲ ቡዝ፥ ዝውለዱ እዮም።
15
ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፥ ወዲ ጉኒ፥ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ።
16
ነገድ ጋድ ኣብ ገለዓድን ኣብ ባሳንን ኣብተን ኣብኡ ዘለዋ ዓድታትን ኣብ ኵሉ መዋፈሪታት ሳሮን ክሳዕ ወሰና ይቕመጡ ነበሩ።
17
እዚኣቶም ኵላቶም ብዘመን ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ተፅሒፎም ነበሩ።
18
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፥ ዋልታን ሰይፍን ዘልዕሉ፥ ቀስቲ ኸዓ ዝግትሩ ንውግእ ዝተዳለዉ፥ ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ።
19
ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያንን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ።
20
ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም።
21
ካብ መጓሰታቶምውን ሓምሳ ሽሕ ግመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣእዱግን ዘመቱ። ካብ ሰብ ድማ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ማሪኾም ወሰዱ።
22
እቲ ውግእ ካብ እግዚኣብሄር ነበረ እሞ፥ ብዙሓት ሰባት ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ከዓ ኽሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
23
ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ የመና በዝሑ፤ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል ሔርሞንን ሰኒርን ክሳዕ እምባ ሔርሞንን ብብዝሒ ይቕመጡ ነበሩ።
24
ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዔፈር፥ ይሽዒ፥ ኤሊኤል፥ ዓዝሪኤል፥ የርሚያ፥ ሆዳውያ፥ ያሕዲኤል። እዚኣቶም ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፥ ስሙያት ሰባት፥ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።
25
ንኣምላኽ ኣቦታቶም ከዲዖም ንኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር ሰገዱ።
26
ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ፎሓ ንጉስ ኣሶርን፥ ንመንፈስ ቴልጌልቴልፌልሶርን ዝበሃል ንጉስ ኣሶርን ኣተሲኡ ነቶም ህዝቢ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፥ ናብ ኣላሔን ናብ ኣቦርን ናብ ሓራን ናብ ሩባ ጎዛንን ኣእተዎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።
← Chapter 4
Chapter 6 →