bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 4
1 Chronicles 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ይሁዳ፦ ፋሬስ፥ ኤስሮም፥ ካርሚ፥ ሆር፥ ሶባል እዮም።
2
ራያ ወዲ ሶባል ድማ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ከዓ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ፤ እዚኣቶም ዓሌት ፆርዓታውያን እዮም።
3
ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ኢይዝራኤል፥ ይሽማ፥ ይድባሽ፤ ሃፅለልፎኒ እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።
4
ፋኑኤል ኣቦ ጌዶር፥ ዔፄር ኣቦ ሑሻም፥ እዚኣቶም ደቂ ሆር በዅሪ ኤፍራታ ንቤተ ልሔም ዝመስረተ እዮም።
5
እቲ ንቴቁሔ ዝመስረተ ኣሽሑር፥ ሔላን፥ ናዕራን፥ ዝበሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ።
6
ነዕራ ኸዓ ንኣሑዛምን ንኦፌርን ንቴምኒን ንኣሓሽታሪን ወለደትሉ፤ እዚኣቶም ደቂ ነዕራ እዮም።
7
ደቂ ሔልኣ፦ ዔፌት፥ ይፅሓር፥ ኤትናን እዮም።
8
ቆፅ ከዓ ንዓኑብን ንሃፆቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ፤
9
ያቤፅ ድማ ኻብ ኣሕዋቱ ዝኸብር ነበረ። እኖኡ ኸዓ ብብርቱዕ ፃዕሪ ስለ ዝወለደቶ ያቤፅ ኢላ ሰመየቶ።
10
ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
11
ክሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፤ ምሒር ከዓ ንኤሽቶን ወለደ፤
12
ኤሽቶን ከዓ ንቤት ራፋን ንፋሴሓን ንተሒና ኣቦ ዒርናሓሽን ወለደ፤ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።
13
ደቂ ቄኔዝ፦ ጎቶንያል፥ ሰራያ እዮም። ደቂ ጎቶንያል፦ ሓታት፥ መዖኖታይ እዮም፤
14
መዖኖታይ ድማ ንኤፍራታ ወለደ፤ ሰራያ ኸዓ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ፀራቦ ዝነበሩ ንኢዮኣብ ወለደ፤ ንሳቶም ከዓ ፀረብቲ ነበሩ።
15
ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ ንዒሩን ንኤላን ንዓምን ወለደ፤ ኤላን ከዓ ንቄኔዝ ወለደ፤
16
ደቂ ይሃለልኤል፦ ዚፍ፥ ዚፋ፥ ቲርያ፥ ኣሳርኤል ነበሩ።
17
ደቂ እዝራ፦ ዮቴር፥ ሜሬድ፥ ዔፈር፥ ያሎን ነበሩ። ሜሬድ ንቢትያ ጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ንሳ ኸዓ ማርያም ንትበሃል ጓልን ንይሽባን ነቲ ንኣሽትምዓ ኣቦ ዝኾነ ንይሽባን ወለደ። ሜሬድ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ነበረቶ። ንሳ ድማ ነቲ ንጌዶር ኣቦ ንዝኾነ ንዩሬድን፥ ነቲ ንሶኮን ኣቦ ንዝኾነ ሔቤርን፥ ንዛኖዋ ኣቦ ንዝኾነ ንይቁቲኤልን ወለደትሉ።
19
ሆድያ ንሓፍቲ ናሓም ኣእተወ። ካብኣ ኸዓ ነቶም ኣብ ቅዒላ ዝነብሩ ዓሌት ገርሚን፥ ነቶም ኣብ ኤሽተሞዓ ዝነብሩ ዓሌት መዓካታን ኣቦ ኾነ።
20
ደቂ ሺሞን፦ ኣምኖን፥ ሪና፥ ቤንሓናን፥ ቲሎን እዮም። ደቂ ይሽዒ፦ ዞሔት፥ ቢንዞሔት እዮም።
21
ይሁዳ ድማ ንሴሎም ወለደ፤ ሴሎም ከዓ ነቲ ንሌካ ኣቦ ንዝኾነ ንዔር፥ ንማሬሻ ኣቦ ንዝኾነ ለዓዳ፥ ነቶም ካብ ኣሽቤዓ ንዝኾኑ
22
ንዮቂምን ንሰብ ኮዜባን፥ ነቶም ኣብ ቤተ ልሔም ዝተቐመጡ ኣብ ሞኣብ ዝገዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን ወለደ፤ እዙይ ግና ናይ ኣለምቲ ሃሪ ጥንታዊ ታሪኽ እዩ።
23
እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዝነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ። ስራሕ ንጉስ እናገበሩ ኸዓ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።
24
ደቂ ስምኦን፦ ነሙኤል፥ ያሚን፥ ያሪን፥ ዛራ፥ ሳኡል እዮም።
25
ሳኡል ንመብሳም ወለደ፤ ማብሳም ንማስማዕ ወለደ።
26
ማስማዕ ንሓሙኤል ወለደ፤ ሓሙኤል ንዘኩር ወለደ፤ ዘኩር ንሰሜኢ ወለደ።
27
ሰሜኢ ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣወዳትን ሽዱሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሓት ውሉድ ኣይነበርዎምን። ዓሌት ስምኦን ከዓ ኽንዲ ዓሌት ይሁዳ ኣይሰሰነን።
28
ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ፥ ሞላዳ፥ ሓፃርሹዓል፥
29
ኣብ ቢልሃ፥ ኣብ ዔፀም፥ ኣብ ቶላድ፥
30
ኣብ ቤቱኤል፥ ኣብ ሖርማ፥ ኣብ ፂቅላግ፥
31
ኣብ ቤት ማርካቦት፥ ኣብ ሃፀር ሲሲም፥ ኣብ ቤት ብርኢ፥ ኣብ ሸዓራይም፥ ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዝነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።
32
ከምኡውን ዔጣም፥ ዓዪን፥ ሪሞን፥ ቶኬን፥ ዓሻን ዝበሃላ ሓሙሽተ ኸተማታት ነበራኦም።
33
እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት ሰራዊ ኽሳዕ በዓላት ዘለዋ ዅለን ዓድታቶም እየን። ዝነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን፤ ትውልዶም ዝነግር መፅሓፍ ድማ ነበሮም።
34
መሾባብ፥ ያምሌክ፥ ዮሻ ወዲ ኣማስያ፥
35
ዮኤል፥ ኢዩ ወዲ ዮሺብያ፥ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ዓሲኤል፥
36
ኤልዮዔናይ፥ ያዕቆባ፥ ይሾሓያ፥ ዓሳያ፥ ዓዲኤል፥ የሲሚኤል፥ ብናያ፥
37
ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፥ ወዲ ኣሎን፥ ወዲ የዳያ፥ ወዲ ሺምሪ፥ ወዲ ሸማያ።
38
እዞም ስሞም ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ዓዓሌቶም ሹመኛታት ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም የመና ስለ ዝበዝሑ፥
39
ንጥሪቶም መውፈሪ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ በቲ ንጌዶር ዘእቱ ኣቢሎም፥ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ።
40
መውፈሪ ኸዓ ልምዕትን ፅብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እታ ሃገር ከዓ ገፋሕ፥ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ነበረት። እቶም ካብ ቀደም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ ካም ነበሩ።
41
እዞም በብስሞም ዝተፅሓፉ ኸዓ ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መፂኦም ነቶም ህዝቢ ሓደጋ ኣውደቑሎም። ኣብኡ ንዝተረኽቡ መዓናውያን ድማ ንሓዋሩ ኣጥፍእዎም። ኣብኣ ንጥሪቶም ዝኸውን መውፈሪ ነበረ እሞ፥ ክንዳኣቶም ተቐመጥዋ።
42
ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ደጕዓ ሴይር ከዱ፤ ኣሕሉቖም ከዓ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዝኤልን ነበሩ።
43
ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ቐቲሎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።
← Chapter 3
Chapter 5 →