bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 3
1 Chronicles 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ኻብ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወልደ በዅሩ ኣምኖን፥ ካልኣይ እቲ ኻብ ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ዝተወልደ ዳንኤል፥
2
ሳልሳይ እቲ ኻብ መዓካ፥ ጓል ተልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወልደ ኣቤሴሎም፥ ራብዓይ እቲ ኻብ ኣጊት ዝተወልደ ኣዶንያስ፥
3
ሓምሻይ እቲ ኻብ ኣቢጣል ዝተወልደ ሰፋጥያስ፥ ሻድሻይ እቲ ኻብ ሰበይቱ ዔግላ ዝተወልደ ይትረሓም፥
4
ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ። ኣብኣ ኸዓ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
5
ኣብኡ ኸዓ ኻብ ቤርሳቤህ ጓል ዓሚኤል፥ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ ኣርባዕተ ደቂ ተወለዱሉ።
6
ብዘይ እዚኣቶም ድማ ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥
7
ኖጋ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥
8
ኤሊሳማ፥ ኤሊዳሄ፥ ኤሊፋላት፥ ዝበሃሉ ትሽዓተ ደቂ ነበርዎ።
9
ትእማር እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ብዘይ እቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ ዝወለዶም ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።
10
ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፤ ሮብዓም ንኣቢያ፥ ኣብያ ንኣሳ፥ ኣሳ ንኢዮሳፍጥ፥ ኢዮሳፍጥ
11
ንኢዮራም፥ ኢዮራም ንኣካዝያስ፥ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ፥ ኢዮኣስ
12
ንኣሜስያስ፥ ኣሜስያስ ንኣዛርያስ፥ ኣዛርያስ ንኢዮኣታም፥
13
ኢዮኣታም ንኣካዝ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ፥ ሕዝቅያስ ንምናሴ፥
14
ምናሴ ንኣሞፅ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ።
15
ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።
16
ደቂ ኢዮኣቄም፦ ወዱ ኢኮንያን፥ ወዱ ሴዴቅያስ እዮም።
17
ደቂ እቲ ንባቢሎን ተማሪኹ ዝኸደ ኢኮንያን እዚኣቶም እዮም፦ ሰላትያል፥ መልኪራም፥
18
ፈዳያ፥ ሼናፃር፥ ይቃምያ፥ ሆሻማ፥ ነዳብያ እዮም።
19
ደቂ ፈዳያ፦ ዘሩባቤል፥ ስሜኢ እዮም። ደቂ ዘሩባቤል፦ ሜሱላም፥ ሓናንያ፤ ሰሎሚት እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።
20
ሓሹባ፥ ኦሄል በራክያ ሓሳድያ ዩሻብሔሴድ ሓሙሽተ እዮም።
21
ደቂ ሓናንያ፦ ፊላጥያን፥ የሻያን ነበሩ፤ ደቂ የሻያ ደቂ ረፋያ፥ ረፋያ ደቂ ኣርናን፥ ደቂ ኣብድዩ፥ ደቂ ሴኬንያ እዮም።
22
ወዲ ሴኬንያ ሸማያ ነበረ፤ ደቂ ሸማያ ድማ፥ ሓጡስ ይግኣል ባርያሕ ነዓርያ ሻፋጥ ነበሩ። ኵሎም ሽዱሽተ እዮም።
23
ደቂ ነዓርያ ኸዓ ኤልዮዔናይ ሕዝቅያስ ዓዝርቃም፥ ሰለስተ እዮም።
24
ደቂ ኤልዮናይ ድማ ሆዳይዋ ኤልያሴብ ፌልያ ዓቁብ ዮሓናን ደላያ ዓናኒ ነበሩ፤ ኵሎምውን ሸውዓተ ነበሩ።
← Chapter 2
Chapter 4 →