bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 28
1 Chronicles 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ሰራዊትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ነቶም ናይ ንጉስን ደቁን ገንዘብን ከፍትን ሃብትን ዘመሓድሩን፥ ነቶም ሹመኛታትን ነቶም ጀጋኑ ሰባትን ንዅሎም ሓያላት ተዋጋእትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።
2
ሽዑ ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ፤ ኣነ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እግሩ ዘዕርፈላ ንታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ነይረ። ዘድሊ ምድላውውን ገይረ ነይረ።
3
ኣምላኽ ግና ‘ንስኻ ናይ ኲናት ሰብ ኢኻ፤ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ’ በለኒ።
4
“ግና ናይ እስራኤል ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ኵሉ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ፤ ንይሁዳ መራሒ ክኸውን ሓርይዎ እዩሞ፥ ካብ ቤት ይሁዳውን ንቤት ኣቦይ ሓረያ፤ ካብ መንጎ ኣሕዋተይ ከዓ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ክነግስ መረፀኒ።
5
እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ። ካብ ኵሎም ደቀይ ድማ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን እቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ።
6
ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ ‘ንወድኻ ሰሎሞን ውሉድ ክኾነኒ ሓርየዮ እየ፤ ኣነውን ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ቤተይን ኣፀዳተይን ክሰርሕ እዩ።
7
ንሱ ኸምቲ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ብትእዛዛተይን ሕግጋተይን እንተ ነበረ፥ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዓ እየ።’
8
“ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ኣሰምዐልኩም ኣለኹ። ኣብዛ ዝወረስኩምዋ ፅብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ብድሕሬኹምውን ንደቅኹም ንዘለኣለም ክተውርስዎም፥ ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድለይዎን ሓልውዎውን።
9
“ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ።
10
ሕዚ ኸዓ ኣስተውዕል፦ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ፥ ጠንኪርካ ስራሕ።”
11
ዳዊት ድማ ንድፊ ናይቲ ገበላ ቤተ መቕደስን ህንፃታቱን መዛግብቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ ቦታኡን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ።
12
ከምቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ድማ ንድፊ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ኣቑሑ ዝቕመጠሉ ኣብ ዙርያ ዘለዋ ኽፍልታትውን ሃቦ።
13
ከምኡውን ኣመዳድባ ኻህናትን ሌዋውያንን፥ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን መምርሒ ሃቦ።
14
ንዅሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዝውዕል ብወርቅን ብብሩርን ዝስራሕ ኣቑሑ፤ ክንደይ ዝሚዛኑ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ድማ መደበሉ።
15
ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ወርቅን፥ ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ብሩርን ክንደይ ከም ዝኸውን መደበሉ።
16
እቲ ሕብስቲ ቝርባን ዝንበረሉ ብወርቂ ዝስራሕ ሰደቓን ብብሩር ዝስራሕ ሰደቓን ክንደይ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ከዓ መደበሉ።
17
ንሻኳታትን ጭሐሎታትን ኵስኵስትታትን፥ ዝኸውን ፅሩይ ወርቂ፥ ንናይ ወርቂ ፅዋዓት ነንፅዋዕ ብሚዛን፥ ንናይ ብሩር ፅዋዓትን ነንፅዋዕ ብሚዛን ሃቦ።
18
ነቲ መሰውኢ ዕጣንን ነቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣኽናፎም ዘርጊሖም ዘለዉ ኪሩቤልን ነቲ ንኣኣቶም ዝፀውር ምስሊ ወርቂ ሰረገላ መስርሒ ዝኸውን ዝተዀልዐ ወርቂ መዚኑ ሃቦ።
19
ዳዊት ከዓ “ከምቲ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸውዕሎ ናይዚ ዅሉ ነገር እዙይ ንድፊ ተፅሒፉ መፀኒ” በለ።
20
ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ።
21
እቶም ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝተመደቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እኒሀዉ። እቶም ብድሌት ዝሰርሑን ጥበብ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣብ ኵሉ ስራሕ ክሕግዙኻ ምሳኻ እኒሀዉ። እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ንዅሉ ትእዛዝካ ኽፍፅሙ ድልዋት እዮም።”
← Chapter 27
Chapter 29 →