bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 29
1 Chronicles 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንጉስ ዳዊት ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “እዝ ኣምላኽ ንበይኑ ሓርይዎ ዘሎ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ተመክሮ ዘይብሉን እዩ። እዝ ኣዳራሽ እዙይ ግና ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ኣይኮነን እሞ፥ እቲ ስራሕ ዓብዪ እዩ።
2
ኣነ ኸዓ ብዘለኒ ሓይሊ ንመስርሒ ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ብወርቂ ንዝስራሕ ወርቂ፥ ብብሩር ንዝስራሕ ብሩር፥ ብነሃስ ንዝስራሕ ነሃስ፥ ብሓፂን ንዝስራሕ ሓፂን፥ ብዕንፀይቲ ንዝስራሕ ዕንፀይቲ፥ ከምኡውን ኣዕናቝን እምንን፥ ዝዛነቕ እምንን ፀሊም ዘንፀባርቕ እምንን፥ ዝተቐርፀ እምንን፥ ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን፥ እምነ በረድን፥ ብዙሕ ቀሪበ ኣለኹ።
3
ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ቕድስቲ ቤት ኢለ ዝቐረብክዎ ዅሉ ድማ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሔረይ ፈትየያ ኣለኹ እሞ፥ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘለኒ፥ ወሲኸ ንቤተ እግዚኣብሔረይ እህብ ኣለኹ፦
4
ንመለበጢ መንደቕ ኣባይቲ ዝኸውን ሚእቲ ሺሕ ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥
5
ወርቂ ንዘድሊ ወርቂ፥ ብሩር ንዘድሊ ድማ ብሩር፥ ብኢድ ብልሓተኛ ንዝግበር ኵሉ ስራሕ እንተይተረፈ እህብ ኣለኹ። ሎሚ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ብልግሲ ዝህብ መን እዩ?”
6
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን እቶም ኣሕሉቕ እቲ ስራሕ ንጉስን ብድሌት ሃቡ።
7
ንስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኪሎ ግራም ነሃስን፥ ሰለስተ ሚልዮንን ኣርባዕተ ሚእትን ሽሕ ኪሎ ግራም ሓፂንን ሃቡ።
8
እቶም ክቡር ኣእማን ዝነበሮም ከዓ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተውዎ፤ ንየሒኤል እቲ ጌርሾናዊ ድማ ሓላፍነት ሃብዎ።
9
እቶም መራሕቶም ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፤ ንጉስ ዳዊትውን የመና ተሓጐሰ።
10
ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ እናበለ ኣመስገኖ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ኣቦና ያእቆብ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን።
11
ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ። ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤ ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።
12
ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤ ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤ ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ፤
13
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣምላኽና! ነመስግነካ ኣለና፤ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣለና።
14
“ከምዙይ ብድሌት ክነቕርብ ዝኸኣልናስ፥ ኣነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ መን እዮም? ኵሉ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ እዩ፤ ነቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸዓ ኢና ዝሃብናካ።
15
ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን።
16
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! እዝ ዅሉ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሐሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘለና ሃብቲ፥ ካባኻ ዝመፀ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ናትካ እዩ።
17
ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ።
18
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ኣብ ህዝብኻ ዘሎ ፅቡቕ ድልየት ንዘለኣለም ሓሉ፤ ልባቶምውን ናባኻ ኣቕንዕ።
19
ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።”
20
ድሕሪዙይ ዳዊት ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ እስራኤል “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣመስግንዎ” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣመስገንዎ። ድንን ድማ በሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ሰገዱ።
21
ንፅባሒቱ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቕረቡ፦ ሽሕ ብዕራይ፥ ሽሕ ማጕላ፥ ሽሕ ጡበት፥ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፥ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል ሰውኡ።
22
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክበልዑን ክሰትዩን እንተለዉ የመና ተሓጕሶም ነበሩ። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሰሎሞን ንጉስ ክኸውን ሳዶቅውን ካህን ክኸውን ቀብእዎም።
23
ሽዑ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኮይኑ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ዙፋን ተቐመጠ፤ ሰመረሉውን፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ይእዘዝዎ ነበሩ።
24
ኵሎም ኣሕሉቕን ጀጋኑን፥ ደቂ ንጉስ ዳዊትውን እንተይተረፉ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ከም ዝግዝእዎ ኣረጋገፁሉ።
25
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።
26
ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ።
27
ኣርብዓ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ሸውዓተ ዓመት፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ገዝአ።
28
ዕድመን ሃብትን ክብረትን ፀጊቡ ኸዓ ብፅቡቕ ሽምግልና ሞተ። ክንድኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።
29
እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ።
30
ኣብዝ ታሪኽ እዙይ፥ ዳዊት ከመይ ገይሩ ኸም ዝገዝአን፥ ሓያል ከም ዝነበረን፥ እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንዅለን እተን ኣብ ዙርያኡ ዝነበራ መንግስታት ዝበፅሖም ኵነታትን ተፅሒፉ ኣሎ።
← Chapter 28