bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 27
1 Chronicles 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ።
2
ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ያሾብዓም ወዲ ዘብድኤል ሓለቓ ናይታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ሰራዊት ነበረ። ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።
3
ንሱ ኻብ ደቂ ፋሬስ ነበረ፤ ሓለቓ ናይቶም ብቐዳመይቲ ወርሒ ዘገልግሉ ኣሕሉቕ ሰራዊት ነበረ።
4
ብኻልአይቲ ወርሒ፥ እቲ ኣሆሃዊ ዱዲ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ሚቅሎት ከዓ ሹም ነበረ።
5
ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
6
በናያስ ሓደ ኻብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ነበረ፤ ሓለቓኣቶምውን ነበረ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ሹም ነበረ።
7
ብራብዐይቲ ወርሒ ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ሓለቓ ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብድሕሪኡ ኸዓ ወዱ ዝባድያ ሹም ነበረ።
8
ብሓምሸይቲ ወርሒ፥ ሸምሁት እቲ ይዝራዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።
9
ብሻድሸይቲ ወርሒ፥ እቲ ሻድሻይ ሓለቓ ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቁሓዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
10
ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ሴሌስ እቲ ፍሎናዊ ካብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
11
ብሻምነይቲ ወርሒ፥ ሲቦካይ ኩሳታዊ ካብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
12
ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኣቢዔዝር እቲ ዓናቶናዊ ኻብ ብንያማውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
13
ብዓስረይቲ ወርሒ ኖኤሬ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
14
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ በናያስ በዓል ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
15
ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ሔልዳይ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ደቂ ጎቶንያል ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
16
ንነገዳት እስራኤል ዘመሓድሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያን ኣልኣዛር ወዲ ዝክሪ ሓለቓ ነገድ ሮቤል ነበረ። ሰፋጥያስ ወዲ መዓካ፥ ሓለቓ ስምዖናውያን ነበረ።
17
ሓሻብያ ወዲ ቀሙኤል፥ ሓለቓ ነገድ ሌዊ ነበረ። ሳዶቅ ሓለቓ ደቂ ኣሮን ነበረ።
18
ኤሊሁ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፥ ሓለቓ ይሁዳ ነበረ። ዖምሪ ወዲ ሚካኤል፥ ሓለቓ ነገድ ይሳኮር ነበረ።
19
ይሽማያ ወዲ ኣብድዩ፥ ሓለቓ ነገድ ዛብሎን ነበረ፤ ኢያሪሙት ወዲ ዓዝሪኤል፥ ሓለቓ ነገድ ንፍታሌም ነበረ።
20
ሆሴዕ ወዲ ኣዛዝያ፥ ሓለቓ ነገድ ኤፍሬም ነበረ። ኢዮኤል ወዲ ፈዳያ፥ ሓለቓ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ።
21
ኣዶ ወዲ ዘካርያስ፥ ሓለቓ ናይቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ። የዕሲኤል ወዲ ኣብኔር ሓለቓ ነገድ ብንያም ነበረ።
22
ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም፥ ሓለቓ ነገድ ዳን ነበረ። እዚኣቶም ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤል ነበሩ።
23
ግና እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዘብዝሖም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፥ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዅሎም ኣይቈፀሮምን ነበረ።
24
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኽቘፅር ጀሚሩ ነበረ፤ ግና ኣይወድኦን። ብሰንኪ እዙይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል መዓት መፀ። እቲ ፀብፃብ ግና ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ኣይተፅሓፈን።
25
ዓዛሞት ወዲ ዓዲኤል ሓለቓ መዛግብቲ ንጉስ ነበረ። ዮናታን ወዲ ዖዝያ ድማ ናይቲ ኣብ ገራሁን ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኣብ ዕርድታትን ዝነበረ ጥሪት ሓለቓ ነበረ።
26
ዔዝሪ ወዲ ክሉብ ከዓ ናይቶም ኣብ ግራት ዝዓዩ ሓረስቶት ሓለቓ ነበረ።
27
ሰሜኢ በዓል ኣርማቴም፥ ሓለቓ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበረ። ዘቢድ በዓል ሸፋም ድማ ናይቲ ኣብ ማዕኸናት ወይኒ ዝኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ሓለቓ ነበረ።
28
በዓልሓናን እቲ ጌድራዊ ከዓ ናይቲ ኣብ ቆላ ዝነበረ ተኽሊ ኣውሊዕን ዳዕሮን ሓለቓ ነበረ። ኢዮኣስ ድማ ናይ ማዕኸን ዘይቲ ሓለቓ ነበረ።
29
ሰጥራይ በዓል ሳሮን ናይተን ኣብ ሳሮን ዝጓሰያ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ። ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ናይተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ።
30
ኡቢያስ እቲ እስማኤላዊ ሓለቓ ኣግማል ነበረ። ዮሕድያ በዓል ሜሮኖት ሓለቓ ኣእዱግ ነበረ።
31
ያዚዝ እቲ ኣጋራዊ ድማ ሓለቓ ኣባጊዕን ኣጣልን ነበረ። ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ሃብቲ ንጉስ ዳዊት ነበሩ።
32
ዮናታን ሓወቦኡ ንዳዊት፥ መማኸሪኡ ነበረ። ንሱ መስተውዓልን ፀሓፍን ነበረ። ይሒኤል ወዲ ሓክሞኒም ድማ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ።
33
ኣኪጦፌል ድማ መማኸሪ ንጉስ ነበረ። ኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ዓርኪ ንጉስ ነበረ።
34
ድሕሪ ኣኪጦፌል፥ ዮዳሄ ወዲ በናያስን ኣብያታርን መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ። ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።
← Chapter 26
Chapter 28 →