bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 26
1 Chronicles 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰርዑ፦ ካብ ቆሬያውያን፦ ሜሱላም ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ።
2
ሜሱላም ደቂ ነበርዎ፤ በዅሩ ዘካርያስ፥ ካልኣይ ይዲኤል፥ ሳልሳይ ዮዛባት፥ ራብዓይ የትኒኤል፥
3
ሓምሻይ ዔላም፥ ሻድሻይ ይሆሓናን፥ ሻውዓይ ኤሊሆዔናይ።
4
እግዚኣብሄር ንዖቤድኤዶም ውሉድ ብምሃብ ባረኾ፤ በዅሩ ሸማያ፥ ካልኣይ ዮዛባት፥ ሳልሳይ ኢዮኣስ፥ ራብዓይ ሳካር፥ ሓምሻይ ናትናኤል፥ ሻድሻይ ዓሚኤል፥ ሻውዓይ ይሳኮር፥ ሻምናይ ፒላቲ ነበሩ።
6
ንወዱ ሸማያ ኸዓ ኣወዳት ተወለዱሉ፤ ንሳቶም ሓያላትን ብርቱዓትን ሰባት ነበሩ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣቶም መራሕቲ ነበሩ።
7
ደቂ ሸማያ፦ ዖትኒ፥ ራፋኤል፥ ዖቤድ፥ ኤልዛባድ፥ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሓያላት ኤሊሁን ሰማክያን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ነበሩ።
8
እዚኣቶም ኵሎም ካብ ደቂ ዖቤድኤዶም ነበሩ። ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ንኣገልግሎት ዝበቕዑ ንፉዓት ሰባት ነበሩ፤ ኵሎም ደቂ ዖቤድኤዶም ድማ ስሳን ክልተን ነበሩ።
9
ሜሱላምውን ዓሰርተ ሸሞንተ ንፉዓት ሰባት ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ።
10
ካብ ደቂ ሜራሪ ንዝኾነ ንሖሳ ደቂ ነበርዎ፤ ሽምሪ ሓለቓ ነበረ፤ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ኣቦኡ እንተሎ ዋና ገበሮ።
11
ካልኣይ ኬልቅያስ፥ ሳልሳይ ጥበልያ፥ ራብዓይ ዘካርያስ ነበረ። ናይ ሖሳ ደቅን ኣሕዋትን ኵሎም ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ።
12
እቶም ሓለውቲ በርታት ቤተ መቕደስ፥ በብማይ ቤቶም ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ተመደቡ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከገልግሉ ኸዓ ኸምቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓላፍነት ተቐበሉ።
13
ዓቢይን ንእሽተይን ማይ ቤት እንተይበሉ ኣየናይ ኣፍ ደገ ኸም ዝሕልዉ ምእንቲ ኽፈልጡ ዕፃ ኣውደቑ።
14
ብወገን ምብራቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ንሰሌምያ በፅሖ። ነቲ ለባም መኻሪ ዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ እቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ።
15
ንዖቤድኤዶም ከዓ እቲ ብወገን ደቡብ ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ። ነቶም ደቁ ድማ ምሕላው ቤተ መዛግብቲ በፅሖም።
16
እታ ናብ ጥቓ ደገ ሸሌኬት እተደይብ መንገዲ፥ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣፍ ደገ ኸዓ ንሰፊንን ንሖሳን በፅሖም። ንውሱን እዋን ከዓ በብተራ ይሕልውዎ ነበሩ።
17
ብወገን ምብራቕ መዓልቲ መዓልቲ ሽዱሽተ ሌዋውያን ይሕልዉ ነበሩ። ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ፥ ብወገን ደቡብ ድማ ኣርባዕተ ይሕልዉ ነበሩ። ኣብ ክልቲኡ ቤተ መዛግብቲ ከዓ ኸክልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
18
ኣብቲ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣደባባይ፥ ኣብቲ ፈርባር መንገዲ ኣርባዕተ፥ ኣብቲ ጥቓ ፈርባር ድማ ኽልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
19
እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ ሜራሪን ዝነበሩ ስሩዓት ሓለውቲ በርታት እዚኣቶም እዮም።
20
ካብ ሌዋውያን ድማ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ነገርን ተሸይሙ ነበረ።
21
ደቂ ለኣዳን ንለኣዳን፥ ዝኾኑ ደቂ ጌድሶናውያን፥ ንጌድሶናዊ ንለኣዳን ዝኾኑ ማይ ቤት ኣቦታት ይሒኤል፥
22
ደቂ ይሒኤሊ ከዓ ዜቶምን ሓዉ ኢዩኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ሓለፍቲ ነበሩ።
23
ካብ እንበረማውያን፥ ይስዓራውያን፥ ኬብሮናውያን፥ ካብ ዑዝኤላውያን ሓለፍቲ ነበሩ።
24
ሱባኤል፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሓላፊ ነበረ።
25
ካብ ሓዉ ኣልዓዛር ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ኣልዓዛር ንረዓብያ ወለደ፤ ረዓብያ ንየሻያ ወለደ፤ የሻያ ንኢዮራም ወለደ፤ ኢዮራም ንዝክሪ ወለደ፤ ዝክሪ ንሰሎሚት ወለደ።
26
ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ንእግዚኣብሄር ንዝወፈይዎ ነገር ሓለፍቲ ነበሩ።
27
ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎውን ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ክኸውን ወፍዮምዎ ነበሩ።
28
ኵሉ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣበኔር ወዲ ኔርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ።
29
እቶም ካብ ዓሌት ይስዓር ዝኾኑ ከናንያን ደቁን ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹመኛታትን ፈረድትን ነበሩ።
30
ደቂ ኬብሮን፥ ሓሸብያን እቶም ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኣሕዋቱን ብርቱዓት ሰብኡት ስለ ዝነበሩ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንእስራኤል ከመሓድሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ እግዚኣብሄርን ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመደቡ።
31
ካብቶም ኬብሮናውያን፥ ይሪያ ዋና ማይ ቤት ኬብሮናውያን ነበረ። ዳዊት ምስ ነገሰ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኣቶም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኣቶም ኣብ ኢያዜር ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ።
32
ዳዊት ድማ ኻብ ማይ ቤት ይሪያ ኽልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ብርቱዓት ሰብኡት ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሓረየ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ኣብ ኵሉ ናይ እግዚኣብሄር ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሓላፊነት ሃቦም።
← Chapter 25
Chapter 27 →