bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 25
1 Chronicles 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ድማ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ፥ ንደቂ ኣሳፍን ንደቂ ኤማንን ንደቂ ኤዶታምን ነገልግሎት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብፀናፅልን ትንቢት ክናገሩ ፈለዮም። ቍፅሪ እቶም ከከም ኣገልግሎቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ከዓ እዙይ እዩ፦
2
ደቂ ኣሳፍ፦ ዘኩር፥ ዮሴፍ፥ ነታንያ፥ ኣሳርኤላ፥ እዚኣቶም ደቂ ኣሳፍ፥ ብትእዛዝ ንጉስ ዝንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዝመርሖም ዝነበሩ እዮም።
3
ካብ ኤዶታም ደቂ ኤዶታም፦ ጎዶልያስ፥ ፅሪ፥ የሻያ፥ ሰሜኢ፥ ሓሸብያ፥ መቲትያ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ነበሩ። እዚኣቶም በቲ ብበገና ንእግዚኣብሄር ብምምስጋንን ብምውዳስን ዝንበ ዝነበረ ኣቦኣቶም ዝምርሑ ዝነበሩ እዮም።
4
ካብ ኤማን፥ ደቂ ኤማን፦ ቡቅያ፥ መታንያ፥ ዓዛርዝኤል፥ ሱባኤል፥ ኢያሪሙት፥ ሓናንያ፥ ሓናኒ፥ ኤሊያታ፥ ጊዶልቲ፥ ሮማንቲዔዘር፥ ዮሽብቃሻ፥ መሎቲ፥ ሆቲር፥ መሓዝዮት።
5
እዚኣቶም ኵሎም ደቂ እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪ ዝነበረ ኤማን እዮም፤ ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ንኤማን ልዕል ከብሎ ኢሉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ሃቦ።
6
እዚኣቶም ኵሎም ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብዅሉ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም። ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣቦታቶም ከዓ ይመርሕዎም ነበሩ።
7
ቍፅሮም ድማ፥ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር ዝተምሃሩ ዅሎም ክኢላታት ኣሕዋቶም፥ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን ነበሩ።
8
ነናቶም ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፈልጡ ድማ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ መምህር ኮነ ተምሃሪ፥ ማዕረ ገይሮም ዕፃ ኣውደቑ።
9
ቀዳመይቲ ዕፃ ኻብ ዓሌት ኣሳፍ ንዝኾነ ንዮሴፍ በፅሐት፤ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ካልአይቲ ንጎልዶያስ በፅሐት፤ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
10
ሳልሰይቲ ንዘኩር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
11
ራብዐይቲ ንይፅሪ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
12
ሓምሸይቲ ንነታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
13
ሻድሸይቲ ንቡቅያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
14
ሻውዐይቲ ንይሽርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
15
ሻምነይቲ ንየሻያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
16
ታሽዐይቲ ንመታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
17
ዓስረይቲ ንሰሜዒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
18
መበል ዓሰርተ ሓደ ንዓዛርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
19
መበል ዓሰርተ ኽልተ ንሓሽብያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
20
መበል ዓሰርተ ሰለስተ ንሱባኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
21
መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንመቲትያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
22
መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንኢያሪሙት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
23
መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንሓናንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
24
መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ንዮሽብቃሻ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
25
መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሓናኒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
26
መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ንመሎቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
27
መበል ዕስራ ንኤልያታ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
28
መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
29
መበል ዕስራን ክልተን ንጊዶልቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
30
መበል ዕስራን ሰለስተን ንመሓዚዮት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
31
መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማንቲዔዘር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
← Chapter 24
Chapter 26 →