bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 24
1 Chronicles 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መደብ ኣገልግሎት ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ነበሩ።
2
ናዳብን ኣብዩድን ግና ቕድሚ ኣቦኣቶም ሞቱ፤ ውሉድ ከዓ ኣይነበርዎምን፤ ስለዙይ ኣልኣዛርን ኢታምርን ካህናት ኮኑ።
3
ዳዊት ድማ በቲ ኻብ ደቂ ኣልኣዛር ዝኾነ ሳዶቅን በቲ ኻብ ደቂ ኢታምር ዝኾነ ኣቢሜሌክን ተሓጊዙ በብእቲ ዝተመደብዎ ምእንቲ ኸገልግሉ መደቦም።
4
ኣብ ደቂ ኣልኣዛር ከዓ ኻብ ደቂ ኢታምር ዝበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፤ ከምዙይ ኢሎም ከዓ ተሰርዑ፦ ካብ ደቂ ኣልኣዛር ዓሰርተ ሽዱሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኮኑ፤ ካብ ደቂ ኢታምር ከዓ ኸከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሸሞንተ ዋናታት ኮኑ።
5
ካብ ደቂ ኣልኣዛር ኮነ ኻብ ደቂ ኢታምር መመሓደርቲ ቤተ መቕደስን ኣገልገልቲ እግዚኣብሄርን ነበሩሞ፥ እዚኣቶምን እቲኣቶምን ብዕፃ ተመደቡ።
6
እቲ ፀሓፊ ሸማያ ወዲ ናትናኤል፥ ካብ ነገድ ሌዊ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታቱን ካህን ሳዶቅን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ፀሓፎም፤ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኣልኣዛር፥ ሓደ ኸዓ ንኢታማር ፀሓፈ።
7
እቶም ዕፃ ዝበፅሖም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ቀዳማይ ንዮኣሪብ፥ ካልኣይ ንዮዳኤ፥
8
ሳልሳይ ንካሪም፥ ራብዓይ ንስዖሪም፥
9
ሓምሻይ ንመልኪያ፥ ሻድሻይ ንሚያሚን፥
10
ሻውዓይ ንለኣቆስ፥ ሻምናይ ንኣቢያ
11
ታሽዓይ ንኢያሱ፥ ዓስራይ ንሴኬንያ፥
12
መበል ዓሰርተ ሓደ ንኤልያሴብ፥ መበል ዓሰርተ ኽልተ ንያቂም፥
13
መበል ዓሰርተ ሰለስተ ንኦፓ፥ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንየሼብኣብ፥
14
መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንቢልጋ፥ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንኢሜር፥
15
መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ንኤዚር፥ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሃፊፄፅ፥
16
መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ንፈታያ፥ መበል ዕስራ ንኤዜቄል፥
17
መበል ዕስራን ሓደን ንያኪን፥ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፥
18
መበል ዕስራን ሰለስተን ንድላያ፥ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንመዓዝያ፥
19
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ ኣቦኣቶም ኣሮን ዝሃቦም ስርዓት፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዮም ከከም ብፅሒቶም ከገልግሉ ዝተውሃቦም ሓላፍነት እዙይ እዩ።
20
እቶም ካብ ሌዊ ዝተረፉ ኻልኦት ኣቦታት ማይ ቤት እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ እንበረም፥ ሱባኤል፤ ካብ ደቂ ሱባኤል፥ ዮሕድያ፤
21
ካብ ደቂ ዓረብያ፥ ይሺያ እቲ ዋና፤
22
ካብ ይስዓራውያን፥ ሰሎሚት፤ ካብ ደቂ ሰሎሚት፥ ያሓት፤
23
ደቂ ኬብሮን፦ እቲ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቀምዓም፤
24
ወዲ ዑዝኤል፦ ሚካ፥ ካብ ደቂ ሚካ ሻሚር፤
25
ሓው ሚካ፦ ይሺያ፥ ካብ ደቂ ይሺያ ዘካርያስ፤
26
ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን ሙሲን እዮም፥ ወዲ ያዚያ በኖ፤
27
ደቂ ሜራሪ፦ ካብ ያዚያ፦ በኖ፥ ሾሃም፥ ዘኩር፥ ዔብሪ፤
28
ካብ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛር፤ ንሱ ደቂ ኣይነበርዎን፤
29
ካብ ቂስ፦ ይረሕምኤል፤
30
ካብ ደቂ ሙሲም ከዓ፦ ሞሖሊን ዔደርን ኢያሪሙትን። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ሌዋውያን እዮም።
31
እዚኣቶም ድማ ኸምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ሳዶቅን ኣቢሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ኣናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ ዕፃ ተዋደቑ።
← Chapter 23
Chapter 25 →