bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 23
1 Chronicles 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ድማ ዕድመ ፀጊቡ ምስ ኣረገ፥ ንወዱ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ።
2
ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤልን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣከቦም።
3
ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ።
4
ዳዊት ከዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከመሓድሩ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣሕሉቕን ፈራዶን ክኾኑ መረፆም።
5
ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ በርታት ነበሩ፤ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ዳዊት ዘስርሖ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።
6
ዳዊት ድማ ንደቂ ሌዊ ኸከም ማይ ቤቶም፦ ንጌድሶን፥ ንቀኣትን፥ ንሜራሪን ኣብ ሰለስተ መቐሎም።
7
ጌድሶን ክልተ ደቂ ነበርዎ፦ ለኣዳን፥ ሰሜኢ እዮም።
8
ላዕዳን ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ይሒኤል፥ ዜቶም፥ ኢዮኤል እዮም።
9
ሰሜኢ ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ሸሎሞት፥ ሓዝኤል፥ ሓራን። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ለኣዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።
10
ሰሜኢ ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ ኢኢት፥ ዚዛ፥ የዑስ፥ በሪዓ እዮም።
11
ኢኢት ቀዳማይ ነበረ፤ ዚዛ ድማ ኻልኣይ ነበረ። የዑስን በሪዓን ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፥ ስለዙይ ከም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ኾይኖም ተቘፀሩ።
12
ቀኣት ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ እንበረም፥ ዪፅሃር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል።
13
ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ።
14
ደቂ ሙሴ፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ምስ ነገድ ሌዊ ተቘፀሩ።
15
ሙሴ ንጌርሳምን ንኣልዓዛርን ወለደ፤
16
ዋና ደቂ ጌርሳም ሱባኤል ነበረ።
17
ዋና ደቂ ኣልዓዛር ረዓብያ ነበረ፤ ኣልዓዛር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን፤ ደቂ ረዓብያ ግና እምብዛ ብዙሓት ነበሩ።
18
ይስዓር ንሰሎሚት ወለደ፤ ንሱ ዋና ነበረ።
19
ደቂ ኬብሮን፦ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቅምዓም።
20
ደቂ ዑዝኤል፦ ዋና ሚካ፥ ካልኣይ ይሽያ።
21
ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን፥ ሙሲን ነበሩ፤ ደቂ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛርን፥ ቂስን ነበሩ።
22
ኣልኣዛር ኣወዳት እንተይሓደገ ሞተ፤ ኣዋልድ ግና ነበራኦ፤ ደቂ ሓው ኣቦኣተን ቂስ ከዓ ኣእተዉወን።
23
ደቂ ሙሲ፦ ሞሖሊ፥ ዔደር፥ የሬሞት፥ ሰለስተ ነበሩ።
24
እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።
25
ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ዕረፍቲ ሂብዎ እዩ። ካብ ሕዚ ንዘለኣለም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ክነብር እዩ።
26
ስለዙይ ሌዋውያን ንድንኳንን እቲ ንእኡ ዘድሊ ኣቑሑን ክፆሩ ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ነበረ።
27
ከምቲ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ዝኣዘዞ፥ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ደቂ ሌዊ ተቘፀሩ።
28
ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ።
29
ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ።
30
ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥ ምሸት ምሸት ከዓ ኸምኡ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥
31
ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተሰርዐ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቝፅሪ ዝተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኵሉ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ተመዲቦም ነበሩ።
32
እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
← Chapter 22
Chapter 24 →