bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 22
1 Chronicles 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ዳዊት “እዙይ ቤት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ህዝቢ እስራኤል ዝስውኡሉ መሰውኢውን እዙይ እዩ” በለ።
2
ዳዊት፥ እቶም ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ጓኖት ክእከቡ ኣዘዘ። ቤት እግዚኣብሄር ንኽስራሕ ከዓ ኣእማን ዝወቕሩ ወቐርቲ ኻብኣቶም መደበ።
3
ንመዓፁ ኣፍ ደገታትን ንመተሓሓዝን ዝኸውን ሽንካር ምእንቲ ኽሰርሕ ብዙሕ ሓፂንን፥ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽምዘን ዘይከኣል ነሃስን ኣከበ።
4
ሲዶናውያንን ጢሮሳውያንን ብዙሕ ዝግባ ንዳዊት የምፅኡሉ ስለ ዝነበሩ ኸዓ ቝፅሪ ዘይብሉ ኦም ዝግባ ኣከበ።
5
ዳዊት “ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ለግለግን እዩ። እዛ ንእግዚኣብሄር ክሰርሓ ዘለዎ ቤተ መቕደስ ግና ኣብ ኵለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን የመና ፅብቕትን ክትከውን ይግባእ፤ ስለዙይ ኵሉ ዘድሊ ኸዳልወላ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ።
6
ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ፀዊዑ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ኣዘዞ።
7
ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ሰሎሞን ወደይ! ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ብልበይ ሓሲበ ነይረ።
8
ግና እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፥ ብዙሕ ውግእ ኸዓ ተዋጊእኻ ኢኻ፤ እምበኣርከስ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፥ ንስመይ ቤተ መቕደስ ኣይትሰርሐለይን ኢኻ።
9
እንሆ፥ ንስኻ ወዲ ኽትወልድ ኢኻ፤ ንሱ ኸዓ ናይ ህድኣት ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ፀላእቱ ድማ ሰላም ስለ ዝህቦ፥ ስሙ ሰሎሞን ክበሃል እዩ፤ ብዘመኑ ድማ ንእስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።
10
ንሱ ንስመይ ቤተ መቕደስ ክሰርሐለይ እዩ። ንሱ ውሉድ ክኾነኒ እዩ፤ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክኾኖ እየ። ዙፋን መንግስቱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።’
11
“ሕዚ ኸዓ፥ ኣታ ወደይ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ ዝተዛረቦ ድማ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሰርሕ ይሓግዝካ።
12
ንህዝቢ እስራኤል ከም ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትመርሖም፥ እግዚኣብሄር ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሃብካ።
13
ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።
14
“እንሆ ኣነ ኸዓ፥ ብዓቕመይ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ወርቅን ልዕሊ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ኣዳልየ ኣለኹ። ነሃስን ሓፂንን ከዓ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ኽምዘን ዘይከኣል ኣዳልየ ኣለኹ። ኣእዋምን ኣእማንንውን ኣዳልየ ኣለኹ። ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ወስኸሉ።
15
ብዙሓት ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ምሳኻ ኣለዉ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዝፈልጡ፥ ቀረፅትን ወቐርትን ፀረብትንውን ኣለዉኻ፤
16
ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብነሃስ፥ ብሓፂን ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ቝፅሪ የብሎምን። እምበኣር ተስእ እሞ ስራሕ ጀምር፤ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።”
17
ዳዊት ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ክሕግዝዎ ኣዘዞም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦
18
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ስለ ዝኾነ ብዅሉ ወገን ሰላም ሃበኩም፤ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸዓ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ፤ እዛ ሃገር ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንኣኻትኩምን ተገዝአት።
19
ሕዚ ድማ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን እቲ ቕዱስ ኣቑሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ክኣቱስ፥ ተስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።”
← Chapter 21
Chapter 23 →