bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 21
1 Chronicles 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተልዓለ፤ ንዳዊት ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅር ኣለዓዓሎ።
2
ዳዊት ከዓ ንኢዮኣብን ነሕሉቕ ህዝብን “ኪዱ ኻብ ቤርሳቤህ ጀሚርኩም ክሳዕ ዳን ዘሎ ህዝቢ እስራኤል ቍፀርዎ። ብዝሖም ምእንቲ ኽፈልጥ ከዓ ፀብፃብ ኣምፅኡለይ” በሎም።
3
ኢዮኣብ ድማ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ጊዜ የብዝሓዮ! ግና፥ ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኵሎም ሓሻኽርኻ እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ ነዝ ነገር እዙይ ትደልዮ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እስራኤል ምኽንያት በደል ትኾኖም?” በሎ።
4
ንጉስ ግና ንኢዮኣብ በርትዖ። ስለዙይ ኢዮኣብ ወፀ፤ ናብ ኵሉ እስራኤል ከይዱ ኸዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
5
ኢዮኣብ ድማ ድምር እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ካብ ኵሉ እስራኤል ከዓ ሓደ ሚልዮንን ሚእቲ ሽሕን ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ። ካብ ይሁዳ ኸዓ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ።
6
ኢዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ስለ ዘይተቐበሎ ንሌዊን ንብንያምን ኣይቈፀሮምን።
7
ካብዝ ነገር እዙይ ዝተልዓለውን እግዚኣብሄር ተቘጥዐ፤ ንህዝቢ እስራኤል ከዓ ቐሰፎ።
8
ሽዑ ዳዊት “እዝ ነገር እዙይ ብምግባረይ ንእግዚኣብሄር ብዙሕ በደልኩ፤ ዓብዪ ስንፍና ድማ ገይረ እየሞ፥ ሕዚ በይዛኻ፥ ንበደል ባርያኻ ክተወግዶ እልምነካ ኣለኹ” በለ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ
10
“ኪድ እሞ ንዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሰለስተ ነገር ኣቕሪበልካ ኣለኹ፤ ካብኡ ሓደ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።
11
ጋድ ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እትደልዮ ምረፅ፦
12
ሰለስተ ዓመት ጥሜት፥ ወይ ሰይፊ ፀላእትኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ምህዳም፥ ወይ እቲ ሰይፊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፌራ ኣብዛ ሃገር ንሰለስተ መዓልቲ ምዃን፥ መልኣኽ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ከምፅእ።’ ነቲ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝምልሰሉ ሕዚ ሕሰብ።”
13
ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕን ዓቢይን እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሐሸኒ” በሎ።
14
ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ኻብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰባት ሞቱ።
15
ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደ፤ እቲ መልኣኽ ከጥፍኣ እንተሎ ሪኡ ኸዓ በቲ ዝወረደ ሓዚኑ ኣናሕሰየላ፤ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ “ይኣክል! ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና ኢያቡሳዊ ደው ኢሉ ነበረ።
16
ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቈላሕ ኣበለ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ደው ኢሉ፥ ዝተመዘዘት ሰይፊ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዘርጊሑ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ወጮ ተኸዲኖም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።
17
ዳዊት ድማ “ኦ ኣምላኽ! ኣነ እየ እቲ ህዝቢ ኽቝፀር ዝኣዘዝኩ፤ ኣነ እየ ዝበደልኩን ክፉእ ዝገበርኩን፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ግና እንታይ ገበሩ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! መቕፃዕትኻ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር ኣብ ህዝብኻስ ኣይትኹን” ኢሉ ለመነ።
18
ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፥ “ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርበሉ ንዳዊት ንገሮ” ኢሉ ኣዘዞ።
19
ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝተዛረቦ ደየበ።
20
ኦርና ምስ ኣርባዕተ ደቁ ኾይኑ ስርናይ የኽይድ ነበረ፤ ነቲ መልኣኽ ምስ ረአይዎ ድማ እቶም ደቁ ተሓብኡ።
21
ዳዊት ናብ ኦርና ኽመፅእ እንተሎ ኸዓ፥ ኦርና ኣማዕድዩ ንዳዊት ረአዮ፤ ካብቲ ዓውዲ ወፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።
22
ዳዊት ከዓ “እዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ መቕሰፍቲ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ እዙይ ብምሉእ ዋጋ ሃበኒ” በሎ።
23
ኦርና ኸዓ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ! ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር፤ እንሆ እዞም ኣብዑር ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ እዝ ኣቑሑ ዓውዲ ንዕንፀይቲ፥ እዝ ስርናይውን ንመስዋእቲ እኽሊ ክኸውን ኵሉ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
24
ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርና “ኣይፋሉን፤ ናትካ ዝኾነ ወሲደ ንእግዚኣብሄር ክህብ ኣይደልን፤ ዋጋ ዘይሃብኩሉ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርብ ኣይደልን እየ እሞ፥ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ሽጠለይ” በሎ።
25
ዳዊት ከዓ ንኦርና ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ወርቂ ሃቦ።
26
ሽዑ ዳዊት ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ኣቕረበ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ። እግዚኣብሄርውን መልሲ ሃቦ፤ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በልዖ።
27
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ። እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ።
28
በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ መልሲ ኸም ዝሃቦ ምስ ረአየ፥ ኣብኡ መስዋእቲ ሰውአ።
29
እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰርሖ መሕደሪ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውእን በቲ ጊዜ እቱይ ኣብቲ ናይ ገባዖን ኰረብታ እዩ ዝነበረ።
30
ዳዊት ግና ሰይፊ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሐ፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቕ ኢሉ ናብኡ ክኸይድ ኣይከኣለን።
← Chapter 20
Chapter 22 →