bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 20
1 Chronicles 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዓመት ምስ ሓለፈ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ኢዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፍኣ፤ መፂኡ ኸዓ ንራባት ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። ኢዮኣብ ከዓ ንራባት ወቒኡ ኣፍረሳ።
2
እቲ ንጉሶም ሓደ መክሊት ዝምዘን ዘውዲ ወርቂ ነበሮ። እቲ ዘውዲ ኸዓ ኽቡራት ኣዕናቝ ነበርዎ። ዳዊት ድማ ነቲ ዘውዲ ንጉሶም፥ ካብ ርእሲ እቲ ንጉስ ወሲዱ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክብደቱ ድማ ሓደ መክሊት ወርቂ ዝኣክል ነበረ። ክቡር ዕንቊውን ነበሮ። ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ደፍእዎ፤ ካብታ ኸተማ ድማ የመና ብዙሕ ምርኮ ወሰደ።
3
ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ ኣውፂኡ ኸዓ ብመጋዛትን ብመባሮን ብማሕፀታትን ክሰርሑ ኣገደዶም። ኣብ ኵለን ከተማታት ደቂ ኣሞንውን ኸምኡ ገበረ። ዳዊትን ኵሉ ሰራዊቱን ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
4
ድሕሪዙይ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዝር ውግእ ተልዓለ። ሽዑ ሴቦካይ ኩሳታዊ ነቲ ኻብቶም ጕልቡታት ዝኾኑ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ንሲፋይ ቀተሎ።
5
መሊሱ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ተገብረ፤ ኤልያናን ወዲ ያዒር ከዓ ንለሕሚ ሓው ጐልያድ እቲ በዓል ጌት ቀተሎ። ንሱ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ዝተኣለመ ዓለባ ዝጥቕለለሉ ዝኸውን ነበረ።
6
መሊሱ ኸዓ ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሽዱሽተ፤ ኣብ ኵሉ ኢደ እግሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ዝተወልደ ነበረ።
7
ንሱ ንህዝቢ እስራኤል ምስ ኣባጨወሎም ድማ፥ ዮናታን ወዲ ሺምዓይ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ።
8
እዚኣቶም ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሓሻኽሩን ዝተቐተሉ፥ ካብቶም ኣብ ጌት ዝተወለዱ ጕልቡታት ደቂ ራፋይም ነበሩ።
← Chapter 19
Chapter 21 →