bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 19
1 Chronicles 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።
2
ዳዊት ድማ “ኣቦኡ ንኣይ ፅቡቕ ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፥ ኣነ ድማ ንሓኖን ወዲ ናዖስ ፅቡቕ ክገብረሉ እየ” በለ። ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ።
3
እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ።
4
ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
5
ዝኾኑ ሰባት ከይዶም ከዓ እቲ ነቶም ሰባት ዝበፅሖም ነገር ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ እቶም ሰባት የመና ሓፊሮም ነበሩ እሞ፥ ዝራኸብዎም ሰባት ሰዲዱ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ” በሎም።
6
ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ረአዩ፥ ካብ ላዕለዋይ መስጴጦምያን ካብ ሶርያ ናይ መዓካን ካብ ሱባን ዕሱባት ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ክቘፅሩ፥ ሓደ ሺሕ መክሊት ብሩር ለኣኹ።
7
እቶም ዝተዓሰቡ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ሰራዊት ንጉስ መዓካን መፂኦም ኣብ ጥቓ ሜዳ ሰፈሩ፤ ደቂ ኣሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ወፂኦም ንውግእ ተሰለፉ።
8
ዳዊት ከዓ ሰሚዑ፥ ንኢዮኣብን ንዅሎም ጀጋኑ ሰራዊትን ሰደደ።
9
ደቂ ኣሞንውን ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ረባት እትበሃል ከተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመፁ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።
10
ኢዮኣብ ከዓ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝተኸበበ ምስ ረአየ፥ ካብ ኵሎም እስራኤል ጀጋኑ ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
11
እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ከዓ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ሓዉ ገበሮ፤ ንደቂ ኣሞን ክዋግእዎም ድማ ተሰለፉ።
12
ንኣቢሳ ኸዓ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፤ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ፥ ኣነ ኽረድአካ እየ።
13
ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።
14
ሽዑ ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ንሶርያውያን ክዋግእዎም ንቕድሚት ደፍኡ፤ ሶርያውያን ከዓ ተስዒሮም ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ።
15
እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሓዉ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
16
ሶርያውያን ከዓ ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ልኡኻት ሰዲዶም ካብቶም ኣብ ሰገር ሩባ ዝነበሩ ሶርያውያን ሰራዊት ኣምፅኡ፤ ናይ ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ሓለቓ ሰራዊት ሾፋክ ድማ ይመርሖም ነበረ።
17
እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽቲቱ፥ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ናብኣቶም ቀሪቡ ድማ ኽዋግኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ክዋግኦም ምስ ተሰለፈ ኸዓ፥ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ።
18
እቶም ሶርያውያን ድማ ብእስራኤላውያን ተስዒሮም ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ቀተለ፤ ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ።
19
እቶም ኣብ ትሕቲ ሃዳርዔዘር ዝነበሩ ነገስታት ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ ዳዊት ተዓረቑ እሞ ተገዝእዎ፤ ገበሩሉውን። ብድሕሪዙይ ድማ እቶም ሶርያውያን ንደቂ ኣሞን ምሕጋዝ ሓደግዎ።
← Chapter 18
Chapter 20 →