bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 18
1 Chronicles 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ሰዓሮም ኣዋረዶምውን፤ ንጌትን ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ድማ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን።
2
ንሞኣባውያንውን ሰዓሮም፤ ሞኣባውያን ከዓ ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ።
3
ዳዊት ድማ ግዝኣቱ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ከስፍሕ ስለ ዝደለየ፥ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ተዋግኦ፤ ኣብ ሓማት ድማ ሰዓሮ።
4
ዳዊት ከዓ ኻብኡ ሽሕ ሰረገላን ሸውዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ማሪኹ ወሰደ። ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ድማ ቋንጃ ኣእጋሮም ቈረፆም፤ ካብኣቶም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።
5
ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ሶርያውያን ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መፁ ኸዓ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀተለ።
6
ዳዊት ድማ ኣብኡ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ እቶም ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።
7
ዳዊት ከዓ ነቲ ኣብ ወታደራት ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋልታታት ወርቂ ወሰዶ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምፅኦ።
8
ካብተን ከተማታት ሃዳርዔዘር ዝኾና ጢብሓትን ኩንን ከዓ ብዙሕ ነሃስ ወሰደ። ደሓር ሰሎሞን በዝ ነሃስ እዙይ ገይሩ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ጋብላን ኣዕምድን ኣቑሑን ሰርሐ።
9
ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኸም ዝሰዓሮ ሰምዐ።
10
ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ኵልሻዕ ይዋጋእ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ዳዊት ንሃዳርዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸሞግሶን ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ዝተሰርሐ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑ ገፀ በረኸት ሰደደሉ።
11
ንጉስ ዳዊት ነዙይን ነቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብ ኤዶማውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ኣሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን፥ ዝማረኾ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ወፈዮ።
12
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ንኤዶማውያን ስዒሩ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ቀተለሎም።
13
ኣብ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ዝግብሩ ኾኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።
14
ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብማዕርነትን እናመሓደረ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ።
15
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣዛዚ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ።
16
ሳዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሱሳ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ።
17
በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ። ደቂ ዳዊት ከዓ ኣብ መንግስቲ ኣቦኣቶም ፍሉይ መዓርግ ነበሮም።
← Chapter 17
Chapter 19 →