bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 17
1 Chronicles 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቱ ይቕመጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንነቢይ ናታን “እንሆ ኣነ ብዝግባ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እቕመጥ ኣለኹ፤ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ኣሎ” በሎ።
2
ናታን ከዓ ንዳዊት “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” በሎ።
3
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መፀ፦
4
ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ በሎ፦ “ኣነ ዝነብረሉ ቤት ንስኻ ኣይኮንካን እትሰርሐለይ።
5
ካብታ ንእስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኻብ ድንኳን፥ ናብ ድንኳን ካብ መሕደሪውን ናብ መሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፥ ኣብ ቤት ኣይነበርኩን።
6
ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝተመላለስኩሉ፥ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ክመርሑ ዝኣዘዝክዎም ኣሕሉቕ እስራኤል ስለ ምንታይ ካብ ኦም ዝግባ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለውን ኣይተዛረብኩን።
7
“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ኣነ ኻብቲ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።
8
ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኽዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ክህበካ እየ።
9
ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኸዳልወሎም እየ፤ ኣብኣ ኸዓ ኽተኽሎም እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ዝህውኾም ኣይህሉን እዩ። ሽዑ ኸምቲ ናይ ቀደም መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ዝገዝኡሉ ዝነበሩ፥ እቶም ደቂ ዓመፅቲ መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ንዅሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዋርዶም እየ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ።
11
ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ዕድሜኻ ምስ ተፈፀመ፥ ብድሕሬኻ ንሓደ ኻብ ደቅኻ ዝኸውን ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ንመንግስቱ ኸዓ ኸፅንዓ እየ።
12
ንሱ ንኣይ ቤት ክሰርሐለይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋኑ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።
13
ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ድማ ውሉድ ክኾነኒ እዩ። ከምቲ ቕድሜኻ ነጊሱ ንዝነበረ ሳኦል ዝገበርክዎ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ።
14
ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ንዘለኣለም ከቝሞ እየ፤ ዙፋኑ ኸዓ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”
15
ናታን በዝ ኸምዙይ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎን ዝገለፀሉን ራእይ ንዳዊት ነገሮ።
16
ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣትዩ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተቐሚጡ ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ክሳዕ ክንድዙይ ዘኽበርካንስ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ?
17
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርኢዩካስ፥ ብዛዕባ ዘርኢ ባርያኻ ብርሑቕ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ረአኻኒ።
18
“ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ እሞ፥ ደጊምከ ብዛዕባ እዝ ኽብሪ ባርያኻ እዙይ እንታይ ክብል እየ?
19
ኦ እግዚኣብሄር! እዝ ዓብዪ ነገራት እዙይ ዝገበርካለይ፥ ብድሕሪ ሕዚ እውን ዓብዪ ነገር ከም እትገብረለይ ዘፍለጥካኒ፥ ፅቡቕ ፍቓድካን ውሳነኻን ስለ ዝኾነ እዩ።
20
“ኦ እግዚኣብሄር! ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ፥ ከማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ድማ ኣምላኽ የለን።
21
ነቶም ህዝብኻ ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ ኻብ ባርነት ግብፂ ዘድሓንካዮም ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ኣብ ምድሪ የለን። እቲ ንኣኣቶም ክትብል ዝገበርካዮ ዓበይትን ዘደንቕ ነገራትን ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከም ዝፅዋዕ ገበረ። ንህዝብኻ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኻዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ንዝፀንሑ ኣህዛብ ድማ ሰጐጕካዮም።
22
ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኸም ዝኸውን ገበርካ፤ ንስኻ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኹ ኾንካሉ።
23
“ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ዘርአይን ዝተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ዝፀንዐ ይኹን ኢልካ ኸም ዝተዛረብካዮውን ግበር።
24
ሽዑ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ’ እናተብሃለ ስምካ ንዘለኣለም ክፀንዕን ክዓብን እዩ። ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ፀንዐት።
25
“ኦ ኣምላኸይ! ነዝ ፀሎት እዙይ ክፅሊ ዝደፈርኩ፥ ንኣይ ቤት ከም እትሰርሐለይ ስለ ዝገለፅካለይ እየ።
26
ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ንባርያኻ ኸዓ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይ ኣተስፈኻዮ።
27
ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ሕዚ ድማ፥ ቤተይ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፥ ክትባርኻ ፈቒድካ ኣለኻ።”
← Chapter 16
Chapter 18 →