bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 16
1 Chronicles 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ንእኡ ዝተኸሎ ድንኳን ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።
2
ዳዊት ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፤ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ።
3
ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብኡትን ነንስትን፥ ሓድሓደ ቕጫን ሓድሓደ ጉማድ ስጋን ሓድሓደ ጎጎ ዘቢብን ዓደሎም።
4
ዳዊት ንሓድሓደ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብውዳሴን ብምስጋናን ከገልግሉ ሰርዐ።
5
ንኣሳፍ ሓለቓ ገበሮ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንዘካርያስ ካልኣዩ ገበሮ፤ ንይዒኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን መቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ድማ መሰንቆን በገናን ክቓንዩ መረፆም። ኣሳፍ ከዓ ብፀናፅል ክቓኒ ተመረፀ።
6
እቶም ክልተ ኻህናት ከዓ በናያስን የሕዚኤልን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኮይኖም ኵልሻዕ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።
7
ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣሳፍን ነሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ሓላፍነት ሃቦም።
8
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፥ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ንገሩ።
9
ተቐነዩሉ፥ ምስጋና ዘምሩሉ፤ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ንገሩ።
10
ብቅዱስ ስሙ ኽበሩ፤ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልዩ ይተሓጐስ።
11
ንእግዚኣብሄር ድለይዎ ኽትፀንዑውን ኢኹም፤ ኵልሻዕ ገፁ ድለዩ።
12
ኣቱም ንእኡ ዝተሓረኹም ዘርኢ እስራኤል ባሮቱ፥ ንእኡ ዝተሓረኹም ደቂ ያእቆብ፥ ነቲ ዝገበሮ ዘደንቕ ስራሑን፥ ተኣምራቱን፥ ዝሃቦ ፍርድታቱን ዘክሩ።
14
ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፤ ፍርዱ ንዅላ ምድሪ እዩ።
15
ኪዳኑውን ንውሉድ ወለዶ እዩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ዝኣዘዞ ቓል፥
16
ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ሓሰበ።
17
ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሩ ኣቖሞ።
18
“ምድሪ ከነዓን ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፤ ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ” በለ።
19
ሽዑ ብቝፅሪ ውሑዳት ነበሩ፤ ውሑዳትን ኣብኡውን ስደተኛታትን ነበሩ።
20
ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፥ ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ መንግስቲ ሓለፉ።
21
ሓደ ሰብ እኳ ኽገፍዖም ኣይፈቐደን፤ ምእንታኣቶም ድማ ንነገስታት ገሰፀ።
22
ንቕቡኣተይ ኣይትንክእዎም፤ ኣብ ነቢያተይ ከዓ ኽፉእ ኣይትግበሩ።
23
ህዝቢ ዓለም ኵልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ መዓልቲ መዓልቲ ምድሓኑ ኣብስሩ።
24
ንዅለን ሃገራት ክብሩ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታትውን ተኣምራቱ ንገሩ።
25
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።
26
ኣህዛብ ዝሰግዱሎም ኵሎም ኣማልኽቲ፥ ጣዖታት እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።
27
ግርማን ክብርን ኣብ ዙርያኡ፥ ስልጣንን ሓጐስን ኣብ መቕደሱ ኣሎ።
28
ህዝቢ ዓለም ኵልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ሃቡ፤ ክብርን ስልጣንንውን ንእግዚኣብሄር ሃብዎ።
29
ንስሙ ዝግባእ ክብሪ ሃብዎ፤ መባእ ሒዝኩም ኣብ ቅድሚኡ እተዉ፤ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ስገዱሉ።
30
ኵልኹም ሃገራት፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፤ ዓለም፥ ኣብ ፅኑዕ ተመስሪታ እያ፤ ኣይትናወፅንውን እያ።
31
ሰማያት ደስ ይበሎም፤ ምድሪ ኸዓ ትተሓጐስ፤ ኣብ ኣህዛብ ድማ፥ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ ይበሉ።
32
ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረትን ድምፂ ይሃብ፤ በረኻን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።
33
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዳንያ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ኣብ ዱር ዘለዉ ኣእዋም ኣብ ቅድሚኡ ብታሕጓስ ይዘምሩ።
34
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ኣመስግንዎ።
35
“ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፥ ብምውዳስካውን ምእንቲ ኽንምካሕስ፥ ኣታ ናይ ምድሓንና ኣምላኽ ኣድሕነና፤ ካብ ኣህዛብ ከዓ ኣኻኽበናን ኣናግፈናን” በልዎ።
36
ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ ኵሎም ህዝቢ “ኣሜን ይበሉ፤ ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ።”
37
መዓልቲ መዓልቲ ዘድሊ ስራሕ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግሉ፥ ዳዊት ንኣሳፍን ንሌዋውያን ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሓደጎም።
38
ንዖቤድኤዶምን ነቶም ስሳን ሸሞንተን ኣሕዋቶምንውን ምስኣቶም ሓደጎም። ዖቤድኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ሓለውቲ በሪ ነበሩ።
39
ንካህን ሳዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከዓ፥ ኣብቲ ናይ ገባዖን በሪኽ ዘሎ መሕደሪ እግዚኣብሄር ከገልግሉ መደቦም።
40
ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ ዝተፅሓፈ ሕጊ፥ ኵልሻዕ ጊሓትን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ መረፆም።
41
ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ በብስሞም ዝተፀውዑ ሕሩያትን፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝኾነ ኸመስግንዎ ምስኣቶም ነበሩ።
42
ሄማንን የዱቱንን ብመለኸታትን ብፀናፅልን በቲ ዝተረፈ ናይ ምስጋና መሳርሒ ሙዚቃን ኣድሚቖም ክቓንዩ ዝተመረፁ ነበሩ። ንደቂ የዱቱን ከዓ ሓለውቲ በሪ ገበሮም።
43
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ቤቱ ኸደ፤ ዳዊት ከዓ ንቤቱ ኽባርኽ ተመለሰ።
← Chapter 15
Chapter 17 →