bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 15
1 Chronicles 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ንባዕሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸዓ ድንኳን ተኸለሉ።
2
ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ።
3
ዳዊት ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።
4
ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም።
5
ካብ ደቂ ቀኣት፦ ንኡርኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤
6
ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ንዓሳያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእትን ዕስራን ኣሕዋቱን፤
7
ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ንኢዮኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ሰላሳን ኣሕዋቱን፤
8
ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦ ንሸማያን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ክልተ ሚእቲ ኣሕዋቱን፤
9
ካብ ደቂ ኬብሮን፦ ንኤሊኤልን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሰማንያ ኣሕዋቱን፤
10
ካብ ደቂ ዑዝኤል፦ ንኣሚናዳብን ነቶም ንሱ ዝሓለቓኦም ሚእትን ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋቱን ኣከቦም።
11
ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ ነቶም ሌዋውያን፥ ንኡርኤልን ዓሳያን ኢዮኤልን ሸማያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ፀውዖም።
12
ንሱ ድማ፦ “ንስኻትኩም ነናይ ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኣሕሉቕ ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይፆርኩምዎ፥ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸዓ ስለ ዘየገልገልናዮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ሰብ ብምቕሳፍ ቀፅዐና፤ ስለዙይ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሰናደኽዋ ቦታ ኽተደይብዎ፥ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ” በሎም።
14
ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸደይብዎ ተቐደሱ።
15
እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ።
16
ዳዊት ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ነቶም ኣሕዋቶም መዘምራን ብመሳርሒ ሙዚቃ፦ ብመሰንቆን ብበገናን ብፀናፅልን ተሓጒሶም ክቓንዩን ድምፆም ዓው ከብሉን ተዛረቦም።
17
ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንኤማን ወዲ ኢዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ድማ ንኣሳፍ ወዲ በራክያን ካብ ደቂ ሜራሪ ኸዓ ንኤታን ወዲ ቂሳን ሓረዩ።
18
ምስኣቶም ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም ንዝኾኑ ንዘካርያስ፥ ንቤን፥ ንያዝኤል፥ ንሰሚራሞት፥ ንይሒኤል፥ ንዑኒ፥ ንኤሊያብ፥ ንበናያስ፥ ንመዕሴያ፥ ንመቲትያ፥ ንኤሊፍሌሁ፥ ንሚቅኔያ፥ ነቶም ሓለውቲ ድንኳን ዝኾኑ ዖቤድኤዶምን ንይዒኤልን ኣቖሙ።
19
እቶም መዘምራን፥ ኤማንን ኣሳፍን ኤታምን፥ ብፀናፅል ነሃስ ዓው ኣቢሎም ይቓንዩ ነበሩ።
20
ዘካርያስን ዓዝኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን ዑኒን ኤሊያብን መዕሰያን በናያስን ከዓ ብልዑል ዝድምፁ መሰንቆ ይቓንዩ ነበሩ።
21
ማቲትያን ኤልፍሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ሸሞንተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ይቓንዩ ነበሩ።
22
ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከዓ ፈላጥ ስለ ዝነበረ፥ ሓለቓ መዘምራን ነበረ፤ መዝሙር ድማ ይምህር ነበረ።
23
በረክያን ሕልቃናን ድማ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።
24
ሰበኒያን ኢዮሳፋጥን ናትናኤልን ኣማሳይን ዘካርያስን በናያስን ኣልዓዛርን፥ እቶም ካህናት፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን ይሒያምን ከዓ ሓለውቲ በሪ ታቦት ነበሩ።
25
ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ከዓ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ከደይብዎ ኸዱ።
26
ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን፥ እግዚኣብሄር ምስ ሓገዞም ሸውዓተ ኣዕሩሕን ሸውዓተ ማጓሉን ሰውኡ።
27
ዳዊትን እቶም ኵሎም ታቦት ዝፆሩ ሌዋውያንን፥ እቶም ዘመርትን፥ ከናንያ እቲ መራሒ መዝሙርን፥ እቶም መዘምራንን ብፅሩይ ሃሪ ዝተሰርሐ ካባ ተኸዲኖም ነበሩ። ዳዊት ድማ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ።
28
ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን እናዓጀቡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።
29
ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኮት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ክስዕስዕን ክሕጐስን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።
← Chapter 14
Chapter 16 →