bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 14
1 Chronicles 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ክሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ዝግባን ነደቕትን ፀረብትን ሰደደሉ።
2
ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖን፥ ነታ መንግስቱውን እምብዛ ልዕል ከም ዘበለሉን ኣስተውዓለ።
3
ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ኣእትዩ፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ወለደ።
4
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ደቂ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥
5
ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥
6
ኖጋ፥ ናፈቅ፥ ያፌያ፥
7
ኤሊሳማ፥ በዔሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም።
8
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዑ፥ ንዳዊት ክዋግእዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዐ፥ ክዋግኦም ወፀ።
9
እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ ለሰ ራፋይም ኣትዮም፥ ሓደጋ ኣውደቑ።
10
ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ፥ ኣብ ኢደይዶ ኣሕሊፍካ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ተዋግኣዮም” በሎ።
11
ዳዊት ድማ ናብ በዓልፐራሲም ደዪቡ ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም። “ውሕጅ ጥሒሱ ኸም ዝኸይድ፥ ኣምላኽ ንፀላእተይ ጥሒሰዮም ከም ዝኸይድ ገበረኒ” በለ። ስለዙይ እታ ቦታ በኣልፐራሲም ተብሃለት።
12
ኣብኣ ፍልስጥኤማውያን ኣማልኽቶም ሓደጉ፤ ዳዊት ከዓ “ብሓዊ ኣቃፅልዎም” ኢሉ ኣዘዘ፤ ብሓዊውን ኣቃፀልዎም።
13
እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ኸም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ሓደጋ ኣውደቑ።
14
ዳዊት ድማ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ብቕድሚኦም ገፅ ንገፅ ኣይትግጠሞም፤ ዜርካ ብወገን እቲ ዳዕሮ ተዋግኣዮም እምበር ናብኣቶም ኣይትደይብ።
15
ኣብቲ ኣራእስ ዳዕሮ ናይ ዝረግፅ ድምፂ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣነ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖ ቀቅድሜኻ ኽወፅእ እዩሞ፥ ሽዑ ንውግእ ውፃእ” በሎ።
16
ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓርዎም።
17
ዝና ዳዊት ከዓ ኣብ ኵለን ሃገራት ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዅሎም ኣህዛብ ንዳዊት ከም ዝፈርሕዎ ገበረ።
← Chapter 13
Chapter 15 →