bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 13
1 Chronicles 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት፥ ምስ ኵሎም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ተማኸረ።
2
ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እዙይ ንኣኻትኩም ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተርእዩኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ወፂኡ እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኵለን ሃገራት እስራኤልን፥ ናብተን ካህናትን ሌዋውያንን ዝነብሩለን ከተማታት መምስ ከባቢአንን፥ ልኡኻት ንስደደሎም፤ ንሳቶም ከዓ ናባና ይተኣከቡ።
3
ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።”
4
እዝ ነገር እዙይ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ “ሕራይ፥ ከምኡ ንግበር” በሉ።
5
ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ምእንቲ ኸምፅኦ ኸዓ፥ ካብ ሩባ ሲሖር ናይ ግብፂ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣከቦም።
6
ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዝቕመጥ እግዚኣብሄር ብስሙ ዝተሰምየ ታቦት ኣምላኽ፥ ካብኡ ኸምፅኡ ናብ በዓላ ቂርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ኸዱ።
7
ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ፅዒኖም ድማ ኻብ ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ። ዖዛን ኣሒዮን ከዓ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።
8
ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብፀናፅልን ብመለኸታትን ብምሉእ ሓይሎም ይዝምሩ ነበሩ።
9
ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ በፅሑ ግና እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ክድግፎ ኢሉ ሓዞ።
10
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ዖዛ ነደደ፤ ነቲ ታቦት ስለ ዝሓዞ ቐሰፎ እሞ፥ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞተ።
11
ዳዊት ድማ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ ሐዘነ እሞ፥ ነታ ቦታ እቲኣ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ እትፅወዖ ዘላ መቕሰፍቲ ዖዛ ኢሉ ሰመያ።
12
ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሑ “ንታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምፅኦ?” በለ።
13
ስለዙይ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ኣቢዳራ እቲ ጌትያዊ ኣእተዎ እምበር፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዓዞን።
14
እቲ ታቦት ኣምላኽ ከዓ ምስ ስድራ ኣቢዳራ ጌትያዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ኣቢዳራን ንዅሉ ዘለዎን ባረኾ።
← Chapter 12
Chapter 14 →