bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 12
1 Chronicles 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ገና ኻብ ገፅ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኣብ ፂቅላግ ክነብር እንተሎ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ናብኡ መፁ።
2
ንሳቶም ብየማኖም ኮነ ብፀጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዝኽእሉ ብቐስቲውን ፍላፃ ዝውርውሩ ተዋጋእቲ ነበሩ። ንሳቶም ኣዝማድ ሳኦል ካብ ነገድ ብንያም ነበሩ። ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦
3
ኣሒዔዝር እቲ ሓለቓኦምን ኢዮኣስን ደቂ ሸማዓ ጊብዓዊ፥ ይዝኤልን ፋሌጥን ደቂ ኣዝሞዌት፥ በራክያ ኢዩ ዓናቶታውን፥
4
ሰማያስ ገባዖናዊ፥ ንሱ ናይቶም ሰላሳ ሓለቓ ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ኤርሚያስ፥ ያሕዝኤል፥ ዮሓናን፥ ዮዛባት ገድሮታን፥
5
ኤሉዛይ፥ ኢያሪሙት፥ በዓልያ፥ ሰማርያ፥ ሰፋጥያስ ሓሩፋን፥
6
እቶም ቆሬሓውያን፦ ሕልቃና፥ ይሽያ፥ ዓዛርኤል፥ ዮዛር፥ ያሾብዓም።
7
ደቂ ይሮሓም በዓል ግዶር ከዓ ዮዔላን ዘባድያን፥
8
ሓድሓደ ኻብ ነገድ ጋድ ከዓ ኸዲዖም ናብ ዳዊት ናብቲ እምባ ኣብ በረኻ ዘሎ ምሽግ መፁ፤ ንሳቶም ሓያላት ጀጋኑ፥ ንውግእ ዕሉማት፥ ዋልታን ኲናትን ዝተዓጥቁ ሰባት ነበሩ። ገፆም ድማ ኸም ገፅ ኣናብስ ዘፍርሕ ነበረ፤ ከም ሰስሓውን ኣብ እምባታት ቅልጡፋት ነበሩ።
9
ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ሓለቓኦም ዔፄር፥ ካልኣይ ኣብድዩ፥ ሳልሳይ ኤልያብ፥
10
ራብዓይ መስመና፥ ሓምሻይ ኤርሚያስ፥
11
ሻድሻይ ዓታይ፥ ሻውዓይ ኤሊኤል፥
12
ሻምናይ ዮሓናን፥ ታሽዓይ ኤልዛባድ፥
13
ዓስራይ ኤርሚያስ፥ መበል ዓሰርተ ሓደ መክበናይ፥
14
እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ኣሕሉቕ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፤ ካብኣቶም እቲ ዝነኣሰ ሚእቲ፥ ዝዓበየ ኽንዲ ሽሕ ነበሩ።
15
እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።
16
ካብ ደቂ ብንያምን ይሁዳን ከዓ ናብ ዳዊት፥ ናብቲ እምባ መፁ።
17
ዳዊት ድማ ክራኸቦም ወፀ፤ ንሱ ኸዓ፦ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም ናባይ እንተ ደኣ መፂእኹም ኴንኩም፥ ልበይ ምሳኻትኩም ክሰማማዕ ድልዊ እዩ። ኣነ ኣብ ኢደይ ዝኾነ ዓመፅ ዘይብለይ እንትኸውን ኣብ ኢድ ፀላእተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ መፂእኹም ግና፥ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም።
18
ሽዑ ናብቲ ደሓር ሓለቓ ሰላሳ ዝኾነ ኣማሳይ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረደ እሞ፥ “ኣታ ዳዊት ንሕናስ ናትካ ኢና፤ ኣታ ወዲ እሴይ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽካ ሓጊዙካ እዩ እሞ ሰላም፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን” በለ። ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም።
19
ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኮይኑ ንሳኦል ክዋጋእ ምስ ወፀ፥ ሓድሓደ ኻብ ነገድ ምናሴ ኸዲዖም ናብ ዳዊት መፁ። ግና እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን “ኣራእስና ቘሪፁ ንጐይታኡ ሳኦል ክሕግዝ እዩ” ኢሎም መኺሮም ንፂቅላግ ስለ ዝሰደድዎ ምስ ሳኦል ኣይተዋግአን።
20
ናብ ፂቅላግ ክምለስ እንተሎ ድማ ኻብ ነገድ ምናሴ ናብኡ ዝሓለፉ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድና፥ ዮዛባት፥ ይዲኤል፥ ሚካኤል፥ ዮዛባድ፥ ኤሊሁ፥ ፂልታይ እዮም። እዚኣቶም ናይ ነገድ ምናሴ ኣሕሉቕ ሽሕ ነበሩ።
21
ንሳቶም ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብቲ ሰራዊት ከዓ ኣሕሉቕ ዝኾኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፥ ንዳዊት ኣንፃር እቲ ጭፍራ ወረርቲ ሓገዝዎ።
22
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንዳዊት ምእንቲ ኽሕግዝዎ ሰባት ይመፁ ነበሩ እሞ፥ እቲ ሰራዊት ከም ሰራዊት ኣምላኽ ዓብዪ ኾነ።
23
እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦
24
ደቂ ይሁዳ፥ ዋልታን ኲናትን ዝፆሩ፥ ንውግእ ዝተሰለፉ ሽዱሽተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን።
25
ካብ ደቂ ስምኦን፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሓያላት ጀጋኑ ሸውዓተ ሽሕን ሚእትን።
26
ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን።
27
ዮዳሄ፥ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፥ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን።
28
ሳዶቅ ድማ ጐበዝ፥ ሓያል ጅግና፥ ምስኡ ኸዓ ዕስራን ክልተን ኣሕሉቕ ካብ ቤት ኣቦኡ።
29
ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ። ክሳዕ እዝ እዋን እዙይ ዝበዝሑ ኻብኣቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ፀኒዖም ነበሩ።
30
ካብ ደቂ ኤፍሬም ከዓ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት፥ ዕስራ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ሰባት።
31
ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፥ ንዳዊት ከንግስዎ ዝመፁ፥ በብስሞም ዝተሰምዩ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ።
32
ካብ ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ እስራኤል እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ዝፈልጡ፥ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፥ ክልተ ሚእቲ ዋናታት፥ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝኾኑ ዅሎም ኣሕዋቶም።
33
ካብ ዛብሎን ብዅሉ ዓይነት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ፈላጣት ስርዓት ውግእ ንዳዊት ከዓ ብዘይምውልዋል ብልቢ ዘገልግልዎ ሓምሳ ሽሕ።
34
ካብ ንፍታሌም ከዓ ሽሕ ኣሕሉቕ፥ ምስኣቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን ዝተሰለፉ ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕ።
35
ካብቶም ሰብ ዳን ከዓ ንውግእ ዝተሰለፉ ዕስራን ሸሞንተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን።
36
ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዝወፁ ኣርብዓ ሽሕ።
37
ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ኻብ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ብዅሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ።
38
ኵሎም እዚኣቶም ንውግእ ዝተዳለዉ ሰራዊት፥ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ከንግስዎ፥ ብፍፁም ልቢ ናብ ኬብሮን መፁ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ከንግስ ተሰማሚዑ ነበረ።
39
ኣሕዋቶም ኣሰናድዮምሎም ነበሩ እሞ፥ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ።
40
ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኮይኑ ነበረ። እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፥ ክሳዕ እቶም ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ዝነብሩ ዝነበሩ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፥ እንጀራ፥ ሕሩጭ፥ ጎጎ በለስ፥ ጎጎ ዘቢብ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ከፍቲ፥ ኣባጊዕን ኣጣልን የምፅኡ ነበሩ።
← Chapter 11
Chapter 13 →