bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 11
1 Chronicles 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ተኣኪቦም መፁ እሞ ኸምዙይ በልዎ፦ “እኒሀና ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና።
2
ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”
3
ስለዙይ ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።
4
ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳ ቐደም ኢያቡስ ትብሃል ነበረት። ኢያቡሳውያን ከዓ ኣብኣ ይቕመጡ ነበሩ።
5
እቶም ኣብ ኢያቡስ ዝቕመጡ ከዓ ንዳዊት “ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ፅዮን ሓዛ። ንሳውን ከተማ ዳዊት እያ።
6
ዳዊት ከዓ “እቲ ቐዲሙ ንኢያቡሳውያን ዝተዋግኦም፥ ሓለቓን ኣዛዚ ሰራዊተይን ክገብሮ እየ” በለ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ኣቐዲሙ ወፀ፤ ሓለቓውን ኮነ።
7
ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ስለዙይ ድማ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ።
8
ካብ ሚሎ ጀሚሩ ኣብ ዙርያኡ ኸተማ ሰርሐ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኢዮኣብ ኣዐረዮ።
9
ዳዊት ድማ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።
10
እቶም ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኖም፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ዝበሎ፥ ንዳዊት ዘንገስዎን፥ መንግስቱ ኽድልድል ከዓ ዝሓገዝዎን ኣሕሉቕ ሓያላት እዚኣቶም እዮም።
11
ቍፅሪ እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ ነበረ፦ ያሾበዓም፥ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፥ ሓለቓ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ፥ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓደ ሻዕ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ዝቐተለ እዩ።
12
ብድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዱዲ፥ ኣሖሓዊ እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ ነበረ።
13
ንሱ ኣብ ፈስደሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፤ ኣብኡ ድማ ግራት ስገም ነበረት፤ እቶም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ።
14
ንሱ ግና ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ ነታ ግራት ኣድሓና፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ተዋጊኡ ሰዓሮም፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ዓወት ሃቦ።
15
ካብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ድማ ሰለስተ ናብታ ኰዅሒ፥ ናብታ ዳዊት ዝነበረላ በዓቲ ኣዶላም ወረዱ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ።
16
ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ነበረ፤ ሓሻኽር ፍልስጥኤማውያን ድማ ንቤተ ልሔም ሒዞምዋ ነበሩ።
17
ዳዊት ከዓ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ማይ መስተየኒ” ኢሉ ተመነየ።
18
ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፥ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ገይሩ ኣፍሰሶ እምበር ክሰትዮ ኣይደለየን።
19
“ህይወቶም ወፍዮም ኣምፂኦምዎ እዮም እሞ፥ ደም እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ? ነዙይ ኣይገብሮን እየ፤ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ” በለ። ስለዙይ ክሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ እዙይ እዩ።
20
ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ እቶም ሰላሳ ነበረ። ንሱ ድማ ዂናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ድማ ስሙይ ነበረ።
21
ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፤ ሓለቓኦም ከዓ ኾነ። ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን።
22
በናያስ ወዲ ዮዳሄ በዓል ቀብስኤል ዓብዪ ነገር ዝገበረ ሓደ ጅግና ሰብ ነበረ። ንሱ ኽልተ ውሩያት ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ሓደ ጊዜ ድማ በረድ ኣብ ዝወቕዐሉ እዋን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
23
ከምኡውን ንሓደ ቑመቱ ልዕሊ ኽልተ ሜትር ንዝኾነ ነዊሕ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብፃዊ ሰብኣይ ክንዲ ናይ ኣላማይ መጠቕለሊ ዝኸውን ኲናት ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ። ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ ድማ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ።
24
በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።
25
እንሆ፥ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ዝኸበረ ነበረ፤ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘብዐኛታት ሸሞ።
26
እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓሳሄል ሓው ኢዮኣብ፥ ኤልያና ወዲ ዱዲ በዓል ቤተልሔም።
27
ሳሞት ሃሮራዊ፥ ሴሌስ ፈሎናዊ፥
28
ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቍሔያዊ፥ ኣቢዔዝር ኣናቶታዊ፥
29
ሴቤካይ ኩሳታዊ፥ ዔላይ ኣሖሓዊ፥
30
ኖኤሬ ነጦፋዊ፥ ሔሌድ ወዲ በዓና ነጦፋዊ፥
31
ካብቶም ደቂ ብንያም፥ ኤታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ፥ በናያስ ጲርዓቶናዊ፥
32
ኡሪ ኻብ ሩባታት ገዓስ፥ ኣቢኤል ዓረባዊ፥
33
ዓዝሞት ባሕሩማዊ፥ ኤሊያሕባ ሰዓልቦናዊ፥
34
ደቂ ኣሳን ጊዞናዊ፥ ዮናታን ወዲ ሻጌ ሃራራዊ፥
35
ኣምናን ወዲ ኣራር ኣሮዳዊ፥ ኤሊፋል ወዲ ኡር፥
36
ኦፌር ምኬራታዊ፥ ኣኪያ ፍሎናዊ፥
37
ሓፅሮ ቀርሜሎሳዊ፥ ነዕራይ ወዲ ኤዝባይ፥
38
ኢዮኤል ሓው ናታን፥ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፥
39
ፄሌቅ ኣሞናዊ፥ ነሃራይ እቲ ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኣፅዋሩ ዝሽከም ዝነበረ ቤሮታዊ፥
40
ዒራስ ይትራዊ፥ ጋሬብ ይትራዊ፥
41
ኦርዮ ኬጢያዊ፥ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፥
42
ዓዲና ወዲ ሺዛ ሮቤላዊ፥ ንሱ ሓለቓ ሮቤላውያን ነበረ፤ እቶም ሰላሳ ኸዓ ምስኡ ነበሩ።
43
ሓናን ወዲ ማዕካ፥ ኢዮሳፍጥ ሚትናዊ፥
44
ዖዝያ ኣስታሮታዊ፥ ሻማን ይኢኤልን ደቂ ኮታም ዓሮዔራዊ፥
45
ደቂ ሺምረ ይዲኤል፥ ቲፃዊ ሓው ዮሓን፥
46
ኤሊኤል ማሓዋዊ፥ ደቂ ኤልናዓም፥ ይሪባይን ዮሻውያን፥ ይትማ ሞኣባዊ፥
47
ኤሊኤልን ዖቤድን ያዕሲኤል ምፆባዊን።
← Chapter 10
Chapter 12 →