bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 77
Psalms 77
Amharic Tigrinya 2011
1
ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፡ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል ኣሎኹ፡ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ።
2
ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፡ ብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፡ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት።
3
ንኣምላኽ እዝክሮን እቚዝምን ኣሎኹ፡ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን ኣሎ።ሴላ።
4
ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፡ እሽገር ምዝራብውን እስእን ኣሎኹ።
5
ናይ ቀደም መዓልትታት፡ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር ኣሎኹ።
6
ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፡ ምስ ልበይ ኤስተንትን ኣሎኹ፡ መንፈሰይውን ይምርምር ኣሎ፡
7
እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ይድርቢ? ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ?
8
ጸጋኡስ ንዘለኣለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡ? ተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተወዲኡ?
9
ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ረሲዕዎ? ንምሕረቱስ ብዂራዶ ዐጽይዎ እዩ?ሴላ።
10
ኣነ በልኩ፡ እዚ እዩ ድኻመይ፡ ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር ኣሎኹ።
11
ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፡ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፡
12
ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትናኦ፡ ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።
13
ዎ ኣምላኽ፡ መገድኻ ብቕድስና እዩ፡ ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን ኣሎ?
14
ተኣምራት እትገብ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፡ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ።
15
ንህዝብኻ፡ ንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍን፡ ብቕልጽምካ ተበጆኻዮ።ሴላ።
16
ዎ ኣምላኽ፡ ማያት ረኣዩኻ፡ ማያት ረኣዩኻ ተሸበሩውን፡ እወ፡ መዓመቚ ተናወጸ።
17
ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፡ ጠፈር ድምጹ ኣስምዔ፡ ፍላጻታትካውን ተወርወረ።
18
ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፡ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፡ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን።
19
ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፡ መገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፡ ኣሰርካውን ኣይተፈልጠን።
20
ንህዝብኻ ኸም መጓሰ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ።
← Chapter 76
Chapter 78 →