bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 63
Psalms 63
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ።
2
ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ።
3
ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን።
4
ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።
5
ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
6
ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
7
ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
8
ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ አላ።
9
እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም።
10
ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም።
11
ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ።
← Chapter 62
Chapter 64 →