bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 62
Psalms 62
Amharic Tigrinya 2011
1
ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሀዲኣ ትጽበ፣ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ አሎ።
2
ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን።
3
ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፣ ንምውዳቕ ዝቐረበ መንደቕን፣ ኵሉኹም ሐቢርኩም ምእንቲ ኸተውድቕዎስ፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ፣
4
ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብኣፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ አለዉ። ሴላ።
5
ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸብዪ።
6
ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ኣይክናወጽን እየ።
7
ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ጽኑዕ ከውሔይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ።
8
ኣቱም ህዝቢ፣ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፣ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፣ መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። ሴላ።
9
ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፣ ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፣ ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፣ ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ።
10
ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉ፣ ብዘመተ ኸኣ ከንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፣ ሃብቲ እንተ በዝሔ፣ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።
11
ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።
12
ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸጋውን ናትካ እዩ።
← Chapter 61
Chapter 63 →