bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 39
Psalms 39
Amharic Tigrinya 2011
1
ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ።
2
ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ።
3
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፣ ከስተንትን ከሎኹ፣ ሓዊ ተቓጸለ፣ ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፣
4
ዎ እግዚኣብሄር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።
5
እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፣ ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። ሴላ።
6
ብሓዊ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣ እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽ፣ ይድልብ፣ ንመን ምዃንውን ኣይፈልጥን።
7
ሕጂኸ፣ እንታይ እጽበ አሎኹ፣ ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።
8
ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ ኣይትግበረኒ።
9
ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣ ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን።
10
ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ አሎኹ፣ ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ።
11
ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕክዮ፣ ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። ሴላ።
12
ኣብ ቅድሚኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣበታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።
13
ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ክቐስንሲ፣ ሕደገኒ።
← Chapter 38
Chapter 40 →