bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 38
Psalms 38
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትገስጸኒ፣ ብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ።
2
ፍላጻታትካ ወጊኤናኒ እየን እሞ፣ ኢድካ ኸቢዳትኒ አላ።
3
በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ።
4
በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ።
5
ብሰሪ ዕሽነተይ፣ ኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን አሎ።
6
ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፣ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ።
7
ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፣ ስጋይሲ ጥዑይ ይብሉን።
8
ኣነ ሰንሰንኩ፣ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ።
9
ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን።
10
ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፣ ሓይለይ ይጠልመኒ አሎ፣ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ።
11
ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ክብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ አለዉ።
12
ንነፍሰይ ዝደልዩ ኸኣ መጻወድያ የጻውዱለይ፣ ጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ አለዉ።
13
ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕን፣ ኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ።
14
እወ፣ ከም ዘይሰምዕ፣ ብኣፉውን ምላሽ ዜብሉ ሰብኣይ ኰንኩ።
15
ዎ እግዚኣብሄር፣ ብኣኻ ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፣ ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ።
16
እግረይ እንተ ኣንደልሀጸ፣ ከይዕበዩለይ እሞ፣ ብኣይ ከይሕጐሱ፣ በልኩ።
17
ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፣ ስቓየይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
18
በደለይ እናዘዝ አሎኹ እሞ፣ ብሓጢኣተይ እጕሂ አሎኹ።
19
ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም። ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም።
20
ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ አለዉ።
21
ጐይታይ፣ ኣይትሕደገኒ፣ ኣምላኸይ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ።
22
ጐይታይ፣ ምድሓነይ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
← Chapter 37
Chapter 39 →