bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 135
Psalms 135
Amharic Tigrinya 2011
1
ሃሌሉያ። ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ኣመስግንዎ።
2
ሃሌሉያ። ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ኣመስግንዎ።
3
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። ግሩም እዩ እሞ፡ ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ።
4
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ናቱ፡ ንእስራኤል ከኣ ጥሪቱ ኪኸውን ሐረዮ።
5
እግዚኣብሄር ዓብዪ ምዃኑ፡ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡
6
እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።
7
ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስ ካብ መዝገብ የውጽኦ።
8
ንበርዂሪ ግብጺ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ወቕዔ።
9
ዎ ምስሪ፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኲሎም ባሮቱን ትእምርትን ተኣምራትን ሰደደ።
10
ንዓበይቲ ኣህዛብ ወቕዔ፡ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን ንዂሎም መንግስትታት ከነኣንን ቀተለ።
12
ምድሮምውን ንርስቲ ሀበ፡ ንህዝቡ እስራኤል ኣውረሶም።
13
ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ንዘለኣለም፡ ኣታ ጐይታይ፡ ዝኽርኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይብይነሎም እዩ እሞ፡ ንባሮቱ ይርሕርሓሎም።
15
ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም።
16
ኣፍ ኣለዎም፡ ኣይዛረቡን፡ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ኣይርእዩን፡
17
ኣእዛን ኣለዎም፡ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።
18
እቶም ዚገብርዎም፡ ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም።
19
ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡ ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡
20
ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21
ኣብ የሩሳሌም ዚነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽ።
← Chapter 134
Chapter 136 →