bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 112
Psalms 112
Amharic Tigrinya 2011
1
ሃሌሉያ። ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።
2
ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፡ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።
3
ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፡ ጽድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።
4
ንቕኑዓት፡ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፡ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።
5
ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።
6
ንዘለኣለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፡ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር።
7
ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፡ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።
8
ልቡ ጽኑዕ እዩ፡ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።
9
ዘረወ፡ ንድኻታት ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ።
10
ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፡ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፡ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።
← Chapter 111
Chapter 113 →