bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 110
Psalms 110
Amharic Tigrinya 2011
1
ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ።
2
እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፡ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
3
በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፡ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይከ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።
4
እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ።
5
እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፡
6
ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ብሬሳታት ኪመልኦ፡ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ።
7
ኣብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፡ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።
← Chapter 109
Chapter 111 →