bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 107
Psalms 107
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
2
እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፡ ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቕን ምዕራብን፡ ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝኣከቦም፡ ከምዚ ይበሉ።
4
ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጽምዋ መገዲ ዀብለሉ፡ ዚነብሩላ ዓዲ ኣይረኸቡን።
5
ጠምዮም፡ ጸሚኦም፡ ነፍሶም ሰልከየት።
6
ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
7
ናብ ዚነብሩላ ዓዲ ኺበጽሑስ፡ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም።
8
ንጽምእቲ ነፍሲ ኣጽጊብዋ፡ ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
10
ብመከራን ሓጺንን ተኣሲሮም፡ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ።
11
ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፡ ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዐቕዎ፡
12
ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።
13
ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
14
ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፡ መቐውሖም ከኣ ሰባበረ።
15
መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ፡ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
17
ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ፡
18
ነፍሶም ንመብልዕ ዘበለ ፈንፈነቶ፡ ክሳዕ ደጌታት ሞትውን በጽሑ።
19
ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።
20
ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፡ ካብ ጒድጓዶም ከኣ ኣናገፎም።
21
ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።
22
መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡ ንግብርታቱውን ብእልልታ ይንገሩ።
23
ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ፡ ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ፡
24
ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዓሚቚ ድማ ተኣምራቱ ረኣዩ።
25
ኣዘዘ እሞ፡ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ።
26
ናብ ሰማይ ደየቡ፡ ናብ መዓሙቚ ወረዱ፡ ነፍሶም ብመከራ መኸኸት።
27
ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፡ ኲሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ።
28
ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም።
29
ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦ፡ ማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ።
30
ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፡ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም።
31
ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ፡
32
ኣብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፡ ኣብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ።
33
ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፡ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቑጽ ምድሪ፡ ንፍርያም ምድሪ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፡ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ።
35
ንበረኻ ናብ መዕቈር ማያት፡ ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ለወጦ።
36
ንጥሙያት ኣብኣ ኣሕደሮም፡ ንሳቶም ከኣ ዚነብሩላ ዓዲ ሰረቱ።
37
ግርሁ ዘርኡ፡ ወይንታት ተኸሉ፡ ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሀቦም።
38
ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑ። ንኸብቶም ድማ ኣየውሐደሎምን።
39
ደሓር ከኣ ብምጥቃዕ፡ ብመከራ፡ ብጓሂ ወሐዱን ተዋረዱን።
40
ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሓሳር ከዐወ፡ መገዲ ኣብ ዜብሉ በረኻ ኣዀብለሎም።
41
ንድኻ ኻብ ሽጋሩ ልዕል ኣበሎ፡ ንዓሌታት ድማ ከም መጓሰ ኣብዝሖም።
42
ቅኑዓት ርእዮምዎ ኺሕጐሱ፡ ኣበሳ ዘበለውን ኣፉ ኺዐጹ እዩ።
43
ለባም ዘበለ ነዚ ኼስተብህሎ እዩ፡ ንጸጋ እግዚኣብሄር ከኣ ኬስተውዕሎ እዩ።
← Chapter 106
Chapter 108 →