bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 103
Psalms 103
Amharic Tigrinya 2011
1
ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዂሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
2
ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኲሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፡
3
ንሱ ንዂሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፡ ንዂሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፡
4
ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፡ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፡
5
ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።
6
እግዚኣብሄርስ ንዂሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።
7
መገድታቱ ንሙሴ፡ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።
8
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፡ ንዂራ ደንጓዩ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ።
9
ኲሉ ጊዜ ኣይገንሕን፡ ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ።
10
ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፡ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።
11
ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።
12
ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ።
13
ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።
14
ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።
15
ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።
16
ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ፡ ከቶ ኣይትርከብን እያ፡ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።
17
ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ትነብር።
18
ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
19
እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፡ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ ኣላ።
20
ኣቱም መላእኽቱ፡ ንድምጺ ቓሉ እትእዝዙ፡ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21
ኣቱም ሰራዊቱ ዂሉኹም፡ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
22
ኲሉ ግብርታቱ ኣብ ኲሉ ስፍራ ግዝኣቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
← Chapter 102
Chapter 104 →