bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 9
Proverbs 9
Amharic Tigrinya 2011
1
ጥበብ ቤታ ሀነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑዳ ጸረበት።
2
ሰባብሕታ ሐረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መአዳውን ኣሰናደወት
3
ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ ኣላ፡
4
ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም ኣላ፡
5
ንዑ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ።
6
ብህይወት ክትነቡሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ።
7
ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ።
8
ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ።
9
ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።
10
መጀመርያ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራእ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
11
ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውስኻልካ እየን እሞ፡
12
ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ።
13
ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።
14
ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡
15
ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡
16
ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡
17
ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ።
18
ንሱ ግና ምውታት ኣብኡ ኸም ዘለው ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቚ ሲኦል ከም ዘለው ኣይፈልጥን እዩ።
← Chapter 8
Chapter 10 →