bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 10
Proverbs 10
Amharic Tigrinya 2011
1
ምስላታት ሰሎሞን። ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ዓሻ ወዲ ግና መጒሃይ ኣዲኡ እዩ።
2
መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
3
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቕ ግና ክትጠሚ ኣይሐድጋን፡ ንህርፋን ረሲኣን ግና የንኰላልፎ።
4
ብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጉሃት ግና ተሀብትም።
5
እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።
6
በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል።
7
መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ፡ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ።
8
ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
9
ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ፡ ብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ።
10
ብዓይኑ ዚጠቅስ መከራ የምጽእ፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
11
ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል።
12
ጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዂሉ ኣበሳ ትኽውሎ።
13
ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ፡ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ።
14
ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።
15
ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ንድኻ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።
16
ዕዮ ጻድቕ ንህይወት፡ እቶም ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ።
17
ምዕዶ ዚሕሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዚኣቢ ግና ይስሕት።
18
ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።
19
ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።
20
ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን።
21
ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያ፡ ዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዚሞቱ።
22
በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።
23
ንዓሻ ኽፋእ ምግባር ዋዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።
24
ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾ፡ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሀቦም።
25
ህቦብላ ምስ ዚሐልፍ፡ እቲ ረሲእ የሎን፡ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዚነብር መሰረት እዩ።
26
ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ፡ ሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ።
27
ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕ፡ ዓመታት ረሲእ ግና ኺሐጽራ እየን።
28
ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።
29
መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡ፡ ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።
30
ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን፡ ረሲኣን፡ ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።
31
ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእ፡ ልግመኛ ልሳን ግና ትቚረጽ።
32
ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዜሐጒስ ይፈልጣኦ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ።
← Chapter 9
Chapter 11 →