bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 13
Proverbs 13
Amharic Tigrinya 2011
1
ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።
2
ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ፡ ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ።
3
ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ።
4
ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል እሞ ገለ ኣይትረድብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
5
ጻድቕ ንዘረባ ሓሶት ይጸልኦ፡ ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን።
6
ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ፡ ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7
ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ።
8
ሃብታም ብገንዘቡ ንህትይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን።
9
ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ።
10
ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ።
11
ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እንጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።
12
ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።
13
ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ።
14
ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
15
ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ፡ መገዲ ጠለምቲ ግና ተራፍ እያ።
16
ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ፡ ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ።
17
ረሲእ ልእኽ ኣብ እከይ ይወድቕ፡ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ።
18
ነቲ ተግሳጽ ዘይቕበል ሰብ ድኽነት ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር።
19
እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ።
20
ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።
21
ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም፡ ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ።
22
ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
23
ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና ኣለው።
24
ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
25
ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ፡ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ።
← Chapter 12
Chapter 14 →