bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 12
Proverbs 12
Amharic Tigrinya 2011
1
ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።
2
ደጊ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል፡ ንተንኰለኛ ግና ይዂንኖ።
3
ሳላ ረሲእነት ዚቐውም ሰብ የልቦን፡ ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን።
4
ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቊንቊነ እያ።
5
ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፡ ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ።
6
ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢ፡ ኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም።
7
እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን፡ ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም።
8
ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ እዩ ዚነኣድ፡ ቄናን ዝልቡ ግና ይንዐቕ።
9
ካብቲ እንጌራ ዜብሉ ኽብረት ዚደልስ፡ እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሐይሽ።
10
ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።
11
ምድሪ ዚወላውል ሰብ እንጌራ ይጸግብ፡ ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን።
12
ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ፡ ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ።
13
እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቕ።
14
ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ፡ ከም ተግባር ኣእዳው ኸኣ ኪፍደ እዩ።
15
እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።
16
ኲራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ።
17
ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ።
18
ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።
19
ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ።
20
እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት ኣሎ፡ እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም።
21
ንጻድቕ ገለ ኽፋእ ኣይረኽቦን፡ ረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ።
22
ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጒስዎ።
23
ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ።
24
ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ።
25
እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።
26
ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮ፡ ንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም።
27
ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ።
28
ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት ኣላ፡ ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን።
← Chapter 11
Chapter 13 →