bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Matthew 4
Matthew 4
Amharic Tigrinya 2011
1
ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።
2
ኣርብዓ መዓልትን ኣብርዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ።
3
እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ።
4
የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኲሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
5
ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ።
6
እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ።
7
የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ፡ በሎ።
8
ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኲላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡
9
ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዂሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ።
10
ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ።
11
ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ።
12
የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ፡ ናብ ገሊላ ድሕር በለ።
13
ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ናሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ።
14
እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡
15
ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡
16
ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።
17
የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግሰተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።
18
ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓውን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ።
19
የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም።
20
ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዐብዎ።
21
ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም።
22
ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ።
23
የሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዂሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።
24
ወሪኡውን ኣብ ኲላ ሶርያ ወጸ። ንዂሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለውዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጒዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።
25
ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።
← Chapter 3
Chapter 5 →