bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Leviticus 18
Leviticus 18
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2
ንደቂ እስራኣኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
3
ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእተውኩም ሃገር ከንኣን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ።
4
ብእኡ ኽትመላለስ ፍርድታተይ ግበሩ ሕጋጋተይ ከኣ ሓልው። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5
ሕጋጋተይ ፍርድታተይን ሓልው፡ እቲ ዝገብሮ ሰብ ብእኡ ሃይው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
6
ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
7
ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕ፡ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላኦ።
8
ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ።
9
ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣባኾ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደት፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
10
ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ፡ ሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ።
11
ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይተቕላዕ ።
12
ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።
13
ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ።
14
ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ናብ ሰበይቲ ኣይትቕረብ፡ ሓፍቲ ኣቦኻ እያ።
15
ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ውድኻ እያ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
16
ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ።
17
ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን ኣዩ።
18
ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይትእቱ።
19
ሰበይቲ ብጻግኒኣ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ።
20
ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
21
ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
22
ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ ኣዩ።
23
ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸባ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ክትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል እዚ ጉድ ነገር እዩ።
24
እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ኹሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ኹሉ ኣይትርከሱ።
25
እታ ምድሪ በዚ ረኽሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣት ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዎ ኽትተፍኦም እያ።
26
ንስኻትኩም ግን ሕጋግተይን ፍርድታተይን ሓልው፡ ወዲ ዓዲ ኾነ ውወ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፡ ካብ ክሉ እዚ ጽያፍ ዚ ገል ኣይትግበሩ።
27
እዝ ኹሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣባ ዝነብሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት።
28
እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኽም ዝንበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍእቶም፡ ንኣኻትኩም ድም ከይትተፋኩም።
29
ካብዚ ኹሉ ጽያፍ እዚ ዝገበር ዘበል፡ ተን ዝገብራ ንፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ኪምንቆሳ እየን።
30
እቲ ቕድሜኹም ዚገብርው ዝነበሩ ርኹስ ስራታት ከይትገብሩ ብእኡ ኸኣ ከይትርኽሱ፡ እቲ ኽትልውዎ ኢለ ዝኣዘዝክኹም ሓልው። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
← Chapter 17
Chapter 19 →