bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Leviticus 17
Leviticus 17
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2
ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤልን፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞምን ዝበሎምን ነገር እዚ እዩ፡ ኢልካ ተዛረቦም።
3
ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሓረደ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተ ሓረደ፡
4
ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኬቕርቦ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘይምጽኦ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይቑጸረሉ። ደም ኹዕዩ እዩ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኺምንቆስ እዩ።
5
ስለዚ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ ዚሕረድ መስዋኣቶም ናብ እግዚኣብሄር፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋና የቕርቡሉ።
6
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ይንጸጎ። ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና የሕርርሮ።
7
ደጊም እቲ ዚሕረድ መስዋእቶም ነቶም ብምንዝርና ዚስዕብዎ ኣጋንንቲ ኣይሰውኡ። እዚ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።
8
ድማ ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኣኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣኦም ዚነብሩ ጓኖት ዚሐርር መስዋእቲ ወይ ዚሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፡
9
ንእግዚኣብሄር ኪስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ዝህቡ ኩምንቆስ እዩ በሎም።
10
ድማ ዝኾነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኣኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቁሳ እየ።
11
ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቖ ኢሉ ሀበኩኹም።
12
ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሃንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ፡ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕ በልኩ።
13
ድማ ዝኾነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዘነብሩ ጓኖት ዚብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሀዲኑ እንተ ሓዘ፡ ነቲ ደም ይኽዐዎ፡ ሐመድ ድማ ይኽደኖ።
14
ነፍሲ ኹሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኣኤል ከኣ፡ ናይ ዝኾነ ስጋ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቁስ እዩ።
15
ዝኾነ ነፍሲ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዔ፡ ወይ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፡ ክዳንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሃጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን፡ ሽዑ ይነጽህ።
16
ክዳውንቱ እንተ ዘይሓጸበ፡ ስጋኡ ኸኣ እንተ ዘይተሓጸበ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።
← Chapter 16
Chapter 18 →