bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Judges 18
Judges 18
Amharic Tigrinya 2011
1
በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን፡ እቶም ነገድ ዳን ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይበጽሖምን ነበረ እሞ፡ በቲ ዘበን እቲ ዚነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።
2
ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፡ ምድሪ ኺስልዩን ኪምርምሩን፡ ካብ ዓሌቶም ካብ ብዘሎ ፍቕዶም፡ ሓሙሽተ ሰብኣይ፡ ሓያላት ሰባት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ሰዲዶም ድማ ኬድኩም ነታ ምድሪ መርመርዋ፡ በልዎም። ንሳቶም ከአ ናብ ከረን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ፡ ኣብኣዉን ሓደሩ።
3
ንሳቶም ኣብ ቤት ሚካ ኸለው፡ ድምጺ እቲ መንእሰይ ሌዋዊ አለለይዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም መን ናብዚ ኣምጽኣካ፡ ኣብዚኸ ንስኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ ኣብዝስ እንታይ ኣሎኳ፡ በልዎ።
4
ንሱ ድማ፡ ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገበረለይ፡ ንሱ ኣሕዲሩኒ፡ ኣነ ኸአ ኻህን ኮንክዎ በሎም።
5
ንሳቶም ድማ፡ እዛ ንሕና እንኸዳ ዘሎና መገዲ እትቐንዓና እንተ ኾይና ኽንፈልጥሲ በጃኻ ንኣምላኽ ጠይቐልና በልዎ።
6
እቲ ኻህን ድማ፡ እዛ እትኸድዋ ዘሎኹም መገዲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያ እሞ፡ ብሰላም ኪዱ፡ በሎም።
7
እቶም ሓሙሽተ ሰብኣይ ከዱ ኣብ ላይሽ ድማ ኣተው፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ተአሚኑ ኸም ስርዓት ሲዶናውን ብህድኣትን ብእምነትን ከም ዚቕመጥ ረእዩ። ኣብታ ሃገር ከአ ገለ ኽፉእ ዚገብሮም በዓል ስልጣን ኣይነበረን፡ ንሳቶም ካብ ሶዶናውያን ርሑቓት ነበሩ፡ ምስ ገለ ሰብ እኳ ነገር ኣይነበሮምን።
8
ናብ ጾርዓን ኤሽታዖልን ከአ፡ ናብ ኣሕዋቶም መጹ፡ እቶም ኣሕዋቶም ድማ፡ እንታይ ተውርዩልና በልዎም።
9
ንሳቶም ከአ፡ ነታ ሃገርና ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፡ ነታ ሃገር ክትአትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጉዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም ናብ ተኣሚኑ ዚነብር ህዝቢ ኽትኣትው ኢኹም። እታ ሃገር ከአ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ነገር ዘይጎድላ ቦታ እያ፡ በልዎም።
10
ንሳቶም ከአ፡ ነታ ሃገርና ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፡ ነታ ሃገር ክትአትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጉዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም ናብ ተኣሚኑ ዚነብር ህዝቢ ኽትኣትው ኢኹም። እታ ሃገር ከአ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ነገር ዘይጎድላ ቦታ እያ፡ በልዎም።
11
ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሹዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ውግእ ተዐጢቖም ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ነቐሉ።
12
ደይቦም ከአ ኣብ ቅርያትየዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትበሀል ኣላ። እንሃ፡ ኣብ ድሕሪ ቅርያትየዓሪም ኣላ።
13
ካብኣ ንኸረን ኤፍሬም ሐሊፎም፡ ናብ ቤት እቲ ኣብ ቤት ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ።
14
እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
15
እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
16
እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
17
እቶም ነታ ሃገር ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ኻህን ምስቶም ኣጽዋር ውግእ እተዐጥቁ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ደይቦም ናብኣ ኣትዮም፡ ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፡ እቲ ኻህን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በሎም።
18
ንሳቶም ከአ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ኻህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድ ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሔሸካ፡ በልዎ።
19
ንሳቶም ከአ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ኻህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድ ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሔሸካ፡ በልዎ።
20
ሽዑ ልቢ እቲ ኻህን ተሓጎሰ እሞ፡ ነቲ ኣኤፎድን ንተራፊምን ነቲ እተጸርበ ምስልን ወሲዱ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኣተወ።
21
ተመሊሶም ድማ ቆልዑን ማልን እቲ ኽቡር ነገርን ቀቅድሚኦም ገይሮም ከዱ።
22
ንሳቶም ካብ ቤት ሚካ ስም ረሓቑ ኸአ፡ ኣቶም ጎረባብቲ ቤት ሜካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተአኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም።
23
ንደቂ ዳን ድማ ጸውዕዎም። ንሳቶም ከአ ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ ብኣውያት እትእከብ እንታይ ዃንካ ኢኻ በልዎ።
24
ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩም፡ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣሎኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ እንታይ ዃንካ ኢኻ እትብለኒ፡ ደጊምከ እንታይ ተሪፉኒ እዩ፡ በሎም።
25
እቶም ደቂ ዳን ከአ፡ ነፍሶም እተመረረት ሰባት ከይገትሙልኩም እሞ፡ ንነፍስኻን ንነፍሲ ቤት ሰብካን ከይተጥፍእሲ፡ ቃልካ ኣባና ኣይሰማዕ በልዎ።
26
እቶም ደቂ ዳን ድማ መገዶም ከዱ። ሚካ ኸኣ ካብኡ ኸም ዝሕይሉ ምስ ረእየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ መጸ።
27
ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገብሮን ነቲ ዝነበሮ ኻህን ሒዞም፡ ናብቲ ሀዲኡን ተአሚኑን ዝነበረ ህዝቢ፡ ንባ ላይሽ መጹ። ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም፡ ነታ ኸተማ ኸአ ብሓዊ ኣንደድዋ።
28
ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበሮምን እሞ፡ ዜድሕኖም ኣይነበረን። ንሳ ኸአ ኣብቲ ኣብ ቤትሬሖብ ዘሎ ለሰ እያ ዘላ። ነታ ኸተማ ድማ ሰሪሖም ተቐመጥዋ።
29
ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም ኣታ ኸተማ ላይሽ ይበሀል ነበረ።
30
እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር እተማረኸላ መዓልቲ፡ ዮናታን፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮኑ።
31
እታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ሲሎ ኽሳዕ ዘላ ኹሉ ዘበን፡ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ንኣታቶም ኣቖምዎም ነበሩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →