bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Judges 17
Judges 17
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።
2
ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸአ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በለቶ።
3
ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። እዲኡ ድማ እዚ ብሩርዚ ንወደይ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ኸአ ክመልሰልካ እየ በለቶ።
4
ንሱ ኸአ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸአ ንእኡ እተጸርመ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸአ ነበረ።
5
እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ አፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸአ ኻህኑ ኪኸውን ቀደሶ።
6
በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወክፍ ቅኑዕ ኮይኑ እተራእዩ ገበረ።
7
ኣብ ቤትልሄምይሁዳ ኻብ ዓለኢት ይሁዳ ሐደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸአ ኣብኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ይቕመጥ ነበረ።
8
እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤትልሄምይሁዳ ኸደ። መገዱ ኺኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።
9
ሚካ ኸአ፡ ካባይ መጺእካ ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኻብ ቤትልሄምይሁዳ ሌዋዊ እዩ፡ ኣነ ኣብ ዝረኽብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ ኣሎኹ በሎ።
10
ሚካ ኸአ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ።
11
እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከአ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ።
12
ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከአ ካህኑ ኾኑ። ኣብ ቤት ሚካ ኸአ ነበረ።
13
ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን ኣሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩም፡ በለ።
← Chapter 16
Chapter 18 →