bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 42
Job 42
Amharic Tigrinya 2011
1
ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡
2
ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
3
ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ? ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛረበ።
4
ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ኽጥይቐካ፡ ንስኻውን ምሀረኒ።
5
ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ።
6
ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን ኣሎኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣሎኹ።
7
እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንኤሌፋዝ ቴማናዊ በሎ፡ ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፡ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኲራይ ተቓጺሉ እዩ።
8
ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፡ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዚግባእ ኣይክገብርን እየ።
9
ሽዑ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ተቐበሎ።
10
እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።
11
ኲሎም ኣሕዋቱን ኲላተን ኣሓቱን ብዘለው እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ፡ ስለቲ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ ዂሉ መከራታት ከኣ ሐዘኑሉን ኣጸናንዕዎን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ሐሓንቲ ብሩርን ቀቀለቤት ወርቅን ሀብዎ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሊ። ንሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕ፡ ሹድሽተ ሽሕ ገመል፡ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ።
13
ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ነበርዎ።
14
ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፡ ነታ ኻልኣይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ቄርን - ሃጱኽ ኢሉ ሰመየን።
15
ኣብ ኲላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣዋልድ እዮብ ዝበላ መልክዔኛታት ኣይነበራን። ኣቦኤን ድማ ርስቲ ምስቶም ኣሕዋተን ኣውረሰን።
16
ድሕሪዚ ድማ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸንሔ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ።
17
ድሕሪዚ እዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ። ።
← Chapter 41