bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 41
Job 41
Amharic Tigrinya 2011
1
እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ።
2
ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ?
3
እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ? ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ።
4
ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ።
5
ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ? ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱ?
6
ንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት ኣሎ።
7
እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡ ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡
8
ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡ ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን።
9
እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡ ንሓድሕዶም ይተሓሐዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም።
10
እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ።
11
ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡ ካብኡ ኸኣ ቊልዒ ሓዊ ይነጥር።
12
ከም ካብ ዚገርር ድስትን ቊራዕን ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ።
13
ብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ።
14
ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሐድር፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር።
15
ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ።
16
ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡ ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ።
17
ንሱ እንተ ተንስኤ፡ ጀጋኑ ይሽበሩ፡ ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦም።
18
ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ።
19
ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰር፡ ነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮ።
20
ፍላጻ ኣየህድሞን፡ እምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ።
21
ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዚቘጽሮ፡ ንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ።
22
ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፡ ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድፍ።
23
ንሱ ንመዓሙቚ ከም ድስቲ የፍልሖ፡ ንባሕሪ ድማ ከም ቊራዕ ቅዲት ይገብሮ።
24
ደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡ እቲ መዓሙቚውን ሽበት ይመስል።
25
ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን።
26
ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለው ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ።
← Chapter 40
Chapter 42 →