bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 27
Job 27
Amharic Tigrinya 2011
1
እዮብ መሊሱ ብምስላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2
እቲ ንነፍሰይ ዜመርራ ዂሉ ዚኽእል፡ ንመሰለይውን ዘግደፈኒ ኣምላኸይ ህያው እዩ፡
3
እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡
4
ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ።
5
ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን።
6
ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን።
7
ጸላእየይ ከም ረሲእ፡ ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን።
8
እቲ ረሲእ፡ ንነፍሱ ኣምላኽ እንተ ቘረጻን እንተ መንጠላንሲ፡ እንታይ ተስፋ ኣለዎ?
9
መከራ እንተ ወረዶስ፡ ኣምላኽ ዶዀን ምህልላኡ ይሰምዖ ይኸውን?
10
ወይስ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ሃረርዶ ይብሎ እዩ? ኲሉ ጊዜዶ ናብ ኣምላኽ ይምህለል እዩ?
11
ኣነ ብዛዕባ ኢድ ኣምላኽ ክምህረኩም፡ ንሓሳባት እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይክሐብኣልኩምን እየ።
12
እንሆ፡ ኲሉኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹምዎ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸንቱ ትዛረቡ ኣሎኹም?
13
ኣምላኽ ነቲ ረሲእ ዚህቦ ዕድል፡ እቲ ጨካን ካብቲ ዂሉ ዚኽእል ዚቕበሎ ርስቲ እዚ እዩ፡
14
ደቁ እንተ በዝሑ፡ ኣደዳ ሰይፊ እዮም፡ ውሉዱውን እንጌራ ኣይጸግቡን፡
15
እቶም ተርፋ ብሞት ይቕበሩ፡ መበለታቱውን ኣየልቅሳን።
16
ንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፡ ንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፡
17
ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዚኽደኖ፡ ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ።
18
ከም ቊንቊነ ቤቱ ይሰርሕ፡ ከምቲ ሓላዊ ዝሰርሓ ጐጆ እያ።
19
ብሃብታሙ ይድቅስ፡ ምስኡ ገለ እኳ ኣይማላእን፡ ኣዒንቱ ቛሕ የብል እሞ የሎን፡
20
ፍርሃት ከም ማያት ኰይኑ የርክቦ፡ ህቦብላ ብለይቲ ይምንጥሎ።
21
ንፋስ ምብራቕ ኣልዒሉ ይወስዶ፡ ካብቲ ቦታኡ ይነቕሎ።
22
ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ይውርውረሉ፡ ካብ ኢዱ ቐልጢፉ ኺሀድም ይደሊ።
23
ሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡ ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ።
← Chapter 26
Chapter 28 →