bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 26
Job 26
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ፡ ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ።
3
ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮ። ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ።
4
ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ? እቲ ኻባኻ ዚወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ?
5
ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡
6
ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ፡ መዓሙቚውን ቅሉዕ እዩ።
7
ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።
8
ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡ እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን።
9
ደበናታቱ እናዘርግሓሉ፡ ንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ።
10
ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለ፡ ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።
11
ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፡ ብተግሳጹውን ይሽበሩ።
12
ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ።
13
ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ።
14
ከብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል?
← Chapter 25
Chapter 27 →