bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 19
Job 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጒህይዋ፡ ብዘረባውን ትሰባብሩኒ ኣሎኹም?
3
እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ጸሪፍኩምኒ፡ እትገፍዑንስ ኣይትሐፍሩን ዲኹም?
4
ብርግጽ ተጋግየ እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር።
5
ብሓቂ እንተ ተዐቤኹምለይ፡ ስለ ውርደተይ እንተ ገሰጽኩምኒ፡
6
እምበኣርስ ኣምላኽ ከም ዝዐመጸኒ፡ ብመፈንጠራኡውን ከም ዝኸበበኒ፡ ፍለጡ።
7
እንሆ፡ ተዐሚጸ ኢለ እጠርዕ ኣሎኹ፡ ኣይስማዕን ድማ እየ፡ ረዲኤት ደልየ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ፍትሒ ዜውጽኣለይ ከኣ የልቦን።
8
ኣነ ኸይሐልፍ ኢሉ ንመገደይ ዐጽይዎ፡ ኣብተን መተሓላለፍየይ ጸልማት ዘርጊሑለን።
9
ንሱ ኽብረተይ ቀንጢጡኒ፡ ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሲድዎ።
10
ብዂሉ ወገነይ ኣውዲቑኒ እዩ እሞ ጠፋእኩ። ንተስፋይ ከም ኦም መንቈሳ።
11
ንቚጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣቃጸሎ፡ ከም ጸላኢኡውን ቈጸረኒ።
12
ጭፍራታቱ ተኣኻኺቦም ኪወድቁኒ መገዲ ይጸርጉ፡ ኣብ ዙርያ ድንኳነይውን ይሰፍሩ ኣለው።
13
ነሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፡ እቶም ዚፈልጡኒ ኸም ኣጋይሽ ኰይኖምኒ።
14
ኣዝማደይ ካባይ ኣድሐርሒሮም፡ ኣመንተይውን ረሲዖምኒ፡
15
ቤተ ሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ይቘጽሩኒ፡ ጓና መሲለ ተርኤኽዎም።
16
ንግልያይ እጽውዖ፡ ኣቤት ኣይብለንን፡ ትሕት ኢለ ብኣፈይ እልምኖ ኣሎኹ።
17
ሰበይተይ ንስትንፋሰይ፡ ውሉድ ከርሰይ ከኣ ንልመናይ ጸሊኦምዎ።
18
ናእሽቱ ቘልዑ እኳ ይንዕቁኒ፡ ብድድ እንተ በልኩ፡ ይደፍሩኒ ኣለው።
19
ኲሎም መመኽርተይ ፈንፊኖምኒ፡ እቶም ፍቁራተይ ተገምጢሎምኒ።
20
ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑ፡ ግርጻነይ ጥራይ ተሪፉኒ።
21
ኣቱም ፈተውተይ፡ ኢድ ኣምላኽ ወቒዓትኒ እያ እሞ፡ ደንግጹለይ፡ ደንግጹለይ።
22
ንምምታይከ ኸም ኣምላኽ እትሰጉኒ? ንስጋይውን ዘይትጸግብዎ?
23
ኣየ፡ እዚ ዘረባይ እንተ ዚጸሐፍ፡ ኣየ፡ ኣብ መጽሓፍ እንተ ዚእርነብ፡
24
ብበሊሕ ሓጺንን ብዓረርን ኣብ ከውሒ ንሓዋሩ እንተ ዚቕረጽ።
25
ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ።
26
እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።
27
ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን። ኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ሐቒቑ።
28
ንስኻትኩም፡ ሱር እቲ ነገር ኣባይ ዘሎ መሲሉኩም፡ ንሰጐጎ፡ እንተ በልኩም፡
29
ፍርዲ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣትሲ ሰይፊ እዩ እሞ፡ ንሰይፊ ፍርህዎ።
← Chapter 18
Chapter 20 →