bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 18
Job 18
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ክሳዕ መኣዝከ ኢኹም ዘረባ ዘይትውድኡ? ኣስተብህሉ፡ ደሓር ንዛረብ።
3
ስለምንታይ ከም እንስሳ ተቘጸርና፡ በዒንትኹምስ ከም ርኹሳት ተርኤና፡
4
ኣታ ብዂራኻ ንነፍስኻ እትብሕጅር፡ ምድሪ ምእንታኻዶ ትባድም? ከውሕስ ካብ ስፍራኡዶ የግልስ?
5
እወ፡ ብርሃን እቲ ረሲእ ይጠፍእ፡ ሃልሃልታ ሓው ኣይበርህን።
6
ኣብ ድንኳኑ እቲ ብርሃን ኪጽልምት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቐንዴልውን ኪጠፍእ እዩ።
7
ስጒምቲ ሓይሉ ይሐጽር፡ ምኽሪ ርእሱ የውድቖ።
8
ኣእጋሩ ናብ መጻወድያ የእትዋኦ፡ ኣብ ልዕሊ ወጽመድ ይመላለስ እዩ እሞ፡
9
ብሸዀናኡ ወጽመድ ይሕዞ፡ መፈንጠራውን የጽንዖ።
10
ኣብ ምድሪ ገመድ፡ ወጽመድ ኣብ መገዲ ተሐቢኡሉ።
11
ፍርሃት ከኣ ብዂሉ ወገን የጨንቖ፡ ናብ ዝኸዶ ዘበለውን ይሰጎ።
12
ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፡ መዓትውን ኣብ ጥቓኡ ተዳልዩ ይጸንሕ።
13
ንኣባላት ኣካሉ ይበልዖ፡ እወ፡ ናይ ሞት በዂሪ ወዲ ንኣባላቱ ይበልዖ።
14
ካብቲ ዚኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይምንቈስ፡ ናብቲ ንጉስ ረዓድ ይውሰድ።
15
ዘይሰቡ ኣብ ድናኳኑ ይሰፍሩ፡ ኣብ ማሕደሩውን ዲን ይንስነስ።
16
ኣብ ታሕቲ ሰረውሩ ይነቅጽ፡ ኣብ ላዕሊውን ጨናፍሩ ይቚረጽ።
17
ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፡ ኣብ ኣደባባይ ስሙ ኣይስመን፡
18
ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፡ ካብ ዓለምውን ይስጐጒ።
19
ኣብ ማእከል ህዝቡ ውሉድን ደቂ ደቅን ኣይሐድግን፡ ኣብ ማሕደሩ ትርፊ የልቦን።
20
በታ መዓልቱ እቶም ዳሕሮት ይድነቑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ጸጒሮም ይኽየፍ።
21
ስፍራ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ እዚ እዩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →