bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 16
Job 16
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ከምዚ ዝበለ ዘረባስ እምብዛ ሰሚዔ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ኲልኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም።
3
እዚ ንፋስ ዝዀነ ዘረባኻስ ተወዲኡዶ? ወይስ ክትመልስ እንታይ እዩ ዜላዕለካ ዘሎ?
4
ኣነውን ከማኻትኩም ገይረ ኽዛረብ ምኸኣልኩ፡ ንስኻትኩም ከምዚ ኸማይ እንተ ትዀኑስ፡ ርእሰይ እናነቕነቕኩ ቓላት ክሰዂዓልኩም ምኸኣልኩ ነይረ።
5
ብኣፈይ መበርታዕኩኹም፡ ምጽንናዕ ከናፍረይውን መህድኣኩም ነይሩ።
6
እንተ ተዛረብኩ፡ ቓንዛይ ዝግ ኣይብልን፡ ስቕ እንተ በልኩውን፡ ኣይሐድገንን እዩ።
7
ሕጅስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፡ ንብዘላ ማሕበረይ ኣዕኖኻያ።
8
ምጭምዳደይ ዚጐድኣኒ ምስክር እዩ፡ ዕብራነይ ተንሲኡ ይኸሰኒ።
9
ብቚጥዓኡ ይዘጋግለንን ይሰጐንን፡ ኣስናኑ ይሕርቅመለይ፡ ጸላእየይ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይርእየኒ ኣሎ።
10
ኣፎም ናባይ ሃህ የብሉ ኣለው፡ እናጸረፉውን ጒንዲ እዝነይ ይጸፍዕኑ፡ ኲሎም ከኣ ይተሓባበሩለይ ኣለው።
11
ኣምላኽ ኣደዳ ዓመጽቲ ገበረኒ፡ ኣብ ኣእዳው ረሲኣን ደርበየኒ።
12
ኣነ ሀዲኤ ነይረ፡ ንሱ ድማ ቀጥቀጠኒ፡ ብኽሳደይ ሒዙ ሰባበረኒ፡ ዕላማኡ ገይሩ ኣቘመኒ።
13
ሰብ መንትጉ ይኸቡኒ፡ ንዀላሊተይ ብዘይ ምሕረት ይበሳስዖ፡ ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ይፍስሶ ኣሎ።
14
ከም ጅግና ዀይኑ ወዲቑኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቚስሊ፡ ቚስሊ ወሲኹኒ።
15
ወጮ ኣብ ቈርበተይ ሰፌኹማ ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደቤኹ።
16
ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛ፡ ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡ ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡ ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር ኣሎ።
17
ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛ፡ ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡ ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡ ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር ኣሎ።
18
ኣቲ ምድሪ፡ ንደመይ ኣይትኸውልዮ፡ ንገዓረይውን ስፍራ ኣይትሀብዮ።
19
ሕጂውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ እንሆ፡ ዋሕሰይውን ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ።
20
ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።
21
ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።
22
ገና ሒዶት ዓመታት ኪሐልፋ እየን እሞ፡ በታ ዘይምለሰላ መገዲ ክኸይድ እየ።
← Chapter 15
Chapter 17 →